ገለን ብማይ ገለን ሰኣን ማይ

Posted on 2012-12-04 · 1056 · 0 · 1

5 resources uploaded

እቲ ወራሲ
ስርዓት አቦታቱ
ንግሆን ምሸትን
ከም ልማዱ
ብብርኩ ተደፊኡ
ጸሎት ይደጋግም
ኪሰምዖ ጐይታኡ
ይልምኖ ገለ ክዛረቦ
መሰል እንተሃቦ።

ገለን ከኣ ምስ ዜግነቱ
እንከለዎ መሰል
ፍቓድ ጐይታ ስሒቱ
ይወጽእ ይኣቱ
አብዛ ምድሪ መታን
ክጥዕሞ
ናብራ ከይጽግሞ
ረሲዑ ናይ ሰማይ
ከምዚ'ዩ እምበኣር
ገለን ብማይ ገለን ሰኣን ማይ!

1 comments

<3
Other Poem