የሱስ ጥራይ'ዩ መድሓኒ

Posted on 2013-06-17 · 1168 · 0 · 0

30 resources uploaded

12.ሓወይ ሓፍተይ ኣይንደናገር
ዓለም ተቐረበትልና ብዙሕ ነገር
ይመስል ይኸውን ዘለዎ ቁምነገር
ሓላፊ’ዩ ግና ንግዜኡ’ዩ ዝነብር

13.ፍትወት እዛ ዓለም ከየዕሽወና
ንጥንቀቕ ንሓሉ ርእስና
ከይንወድቕ ካብቲ ኣምላኽ ዝደልየና
ብገዝያዊ ነገር ተታሊልና

14.ልብና ኣህድእና እሞ ንሕሰብ
ክንመርጽ መታን ዝኾነና መኽሰብ
ዘይንጠዓሰሉ ዘለኣለማዊ ረብሓ
ክንረክቦ መታን ብቐሊል ንስሓ

15.ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ነገር
ቀሊል’ዩ ኣይኮነን ዘይግበር
ሓጥእ ምኻነይ ክንሳሕ ፈሊጠ
ዘለኣለማዊ ህይወት ክረክብ ፍጹም ተለዊጠ

16.መገድን ሓቅን ህይወትን
የሱስ ጥራይ’ዩ ካልእ የልቦን
ብእኡ ዝኣቱ ክረክብዩ ምድሓን
ብኻልእ ዝኣቱ ክጠፍእ’ዩ ንዘለኣለም

0 comments
Other Poem