ርኢኻኒ ኢኻ . . .!

Posted on 2013-02-12 · 932 · 0 · 0

32 resources uploaded

ብርባርባ ድነ ሞት ክኸይድ ብሓርፋፍ
ዓይኒ ማያት ክገብሮ ብለሰ ብኽያት ክሓልፍ
መከራ ክበዝሕ ህይወተይ ዘጻድፍ
ተስፋ ቖሪጸ ቦታይ ንኽገድፍ
ጓሂ ንልበይ ምሕላል ንነፍሰይ ክጎብጥ
ኣብራኸይ ወለል ስጉምተይ ክብል ዝሕጥ

ሽዑ. . .
እወ ሽዑ ረዳኢ ደልየ ዝድግፍ ድኻመይ
ተስፋ ዘስንቕኒ ዘትብዕ ንልበይ
ሰብ ግን . . .
እወ ሰብ ግን ደገ’ዩ ዝርኢ ዘይርድኦ ናይ ውሽጠይ
ዘይፈልጦ ቃላት ይውርውር ዘቑስል ንልበይ
ኣብ ክንዲ ዝድግፈኒ ዝድንግጸለይ
መመሊሱ ይደቑሰኒ ኣብቲ ድኻመይ

ንስኻ ግን . . .
እወ ንስኻ ግን ኣይሓደግካንን ጎይታይ
ካብ ሰማይ ፈጢንካ ረዲእካያ ነፍሰይ
ብቓልካ ኣጸናኒዕካ ንስቡር ልበይ
ብዘይቲኻ ሰፊፍካዮ ኣቑሳለይ
ብመንፈስካ ኣበርቲዕካ ሓዲስካዮ ሓይለይ
ንስኻ ኩሉ ስለእትርዳእ እትፈልጥ ውሻጠይ
ብምሕረት ጠሚትካ ንኣይ ኣርሒብካለይ
ስለዚ’የ ዝፈትወካ ብሩኽ መድሕነይ
ርኢኻኒ ኢኻ ‘ሞ ተመስገን እብለካ ኣምላኸይ

“3-በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፣ ኣትባዕካኒ፣ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያ። . . . 6-እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ ንትሑት ይርእዮ፣ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ። 7-ብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኹራ ጸላእተይ ትዝርግሕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒ።”(መዝ 138፣3,6-7)



0 comments