ናይ ምንባረይ ትርጉም

Posted on 2016-01-13 · 1068 · 0 · 0

12 resources uploaded

ቅድም ከዓቢ ከለኹ
ንልዕለይ ዘለዉ ኩሎም አንዳረኣኹ
ተወሊዱ ይጉብዝ ይመሃር ትመሃር
ይምረቕ ትምረቕ ሓዳር ትገብር
ቆልዓ ይውለድ ገዛ ይግዛእ
ድሕሪ ቁሩብ ከኣ ከምኡ
ታሪኽ ይድገም ምስ ዓበዩ ቆልዑ

እሞ ነዚ ድዮም ትርጉም ምንባር
ዝብልዎ ቁም ነገር ብምግባር?
ኣይ...ካልእ ደኣ ርኸቡለይ
እዚስ ትርጉም የብሉን
ኣይመልኦን ንልበይ

ግልጽ አንተበልኩ ብጎነይ
ስሒተ ኔረ ኣብ ትንታነይ
ምስ ረኣኹ ሰባት ክመሃሩ
ጭራሽ ኣአምሮ ሰብ ክፈትሑ
ወረ ካብኡ ሓሊፉስ
ኮፕይ ናይ ሰብ ከማን ተሰሪሑ

ኦኦ አንታይ ደኣ'ዩ ነገራቱ
ኣኺልዎ እዚ'ዩ አቲ ምንባሩ
መቸም ነዛ ክሓልፍዩ
ኢልና ንጽበያ ሞት'ውን ከየጥፍእዋ የፍርሕዩ
ደሓር ናብ ውኖይ ተመሊሰ
አዚ! ትርጉም ምንባር!
ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ኢለ

አሞ አንታይ ደኣ አዩ ነገሩ
ኣብ ቤትካ ምንባር ድዩ ምስጢሩ?
ኢለ ሓቲተዮ ንእግዚኣብሄር

አነሁልኩም ድርግም ኢለ ኣትየ
ትርጉም ሂወት ንምፍላጥ ስርሐይ ጀሚረ
ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ዝገደደ መጽዩ
ንሓድሕዱ ዝዛባዕ ሕቶ ዝመስልዩ
ወይለይ ወይለይ እንታይ ደኣ አዩ አቲ ፍታሕ
ኢለ ሓቲተ ከይተርፍ ኮይኑ ድኻም

እንተረኣኹ ብሓንቲ ማሽን ዝወጸ ክመሰል ሰብ
ኣካይድኡ ሓደ ኣተሓሳስብኡ ሓደ ድግማ ተኣኪብካ ኮፍ
ብብዙሕ ዓቕሊ ምጽባብ
ብትሪ ኢለያ ንነብሰይ
አዚ'ሞ ብፍጹም ክኸውን
ኣይክእልንዩ ናይ ምንባረይ ትርጉም

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ
ልበይ ዘይምምልኡ ከይኣክል
ሕጂ'ሞ ካን መንነተይ ስኢነዮ
ኦፍፍፍፍ

ተወዲኡኒ ኩሉ ኮፍ ምስ በልኩ
ቅንዕ ኢለ ናብ ኣምላኸይ ጠመትኩ
ንገረኒ ከመይ አዩ ነገሩ በልክዎ ብምህንጣይ

ንድሕሪት መሊሱኒ ቅድሚ ምፍጣረይ
ስለይ ኢሉ ወዱ ከም ዘሕለፈለይ
በዚ ገና እንዳተመሰጥኩ ከለኹ
ብገለ መጽዩ ዘይተባህለ ዕጋበት ንልበይ መልኦ
ሽዑ ገለ ትርጉም ምባረይ
ዝተረኽበ ይመስለኒ
ቀጺለ ሕቶይ ደሓርከ?

ብዛዕባይ እኳ ዘይፈልጦ
ኣለኒ ኢለ ዘይሓስቦ
ነገር ብዝርዘር ድሕሪ ምግላጽ
ቀጺሉ ሕቶይ ክምለስ
ጥበብ ብዝመልኦ ቃሉ ንልቢ ዝድበስ

ኣብዚ ከምዚ ዕላል ከለና ብተመስጦ
ንሕጸ ሓቲቱኒ ክኸውን ናቱ
ድሮ ዕጋበት ዘጎልበቦ ልበይ
ብዘይ ፍቓደይ ዘሊሉ ኢሉ ሕራይ!

ካብታ ዕለት አቲኣ ጀሚሩ
ትርጉም ምንባረይ ኮይኑ ምንባር ኣብ ፍቕሩ!

ዘረስረስ ዘይቲ ዘለዎ ናይ ፍቕሪ ቃሉ
ጥበብ ዝመልኦ ንልበይ ሓባቢሉ
ትኩረተይ ወሲድዎ ምሉእ ብምሉእ
ሓንቲ ቃል እኳ ከይወሰኽኩ ካልእ

ፍቓደኛየ ጥራይ ክትበል ይረክባ ልበይ
እንዳተገረመት ጽባቔኡ ብምርኣይ
ብሓደ ወገኑ
በቲ ሓደ ድማ ብውሽጣ እንዳወሰነት
ካብዚ ወጻኢስ ኣይነበር አንዳበለት
ሽዑ ተረዲኡኒ ለካ አዚዩ ትርጉም ምንባረይ
ኣይገርመኩምን ብኻልእ ዘይምዕጋበይ?
ዝሕሻ መሪጻ ኣላ ነብሰይ

በዚ እኳ ዕግብቲ ክነሰይ
ሒዙኒ ኣትዩ ናብቲ ናይ ሓቂ ዕላማይ
ከክደኽመኒ ንወዱ ብምርኣይ
እንዳተስኣኒ ብርህራሄ ፍቕሪ
ንጎዪ ኣለና ኣብቲ መወዳደሪ
ከምዝስዕር አኳ ርግጸኛየ ይእመንዩ
እንተዘይኮነ ከኣ ህልውነቱ ይኣኽለኒዩ
ደጊመ ዝብሎ አንተልዩ
ካልእ አንተኾይኑ ትርጉም ምንባር
ይትረፈኒ ካብ ገጽካ ወጻኢስ ኣይነበር!

0 comments
Other Poem