ኣኽእለኒ

Posted on 2012-11-14 · 1040 · 0 · 0

5 resources uploaded

ንኽፍለየልካ ኢልካኒ ተፈለ
ኣኽእለኒ ጎይታ ተቢዐ ክፍለ
መንነተይ ብግልጺ በሪሁ ክልለ
‘ቲ ኣነ ዘይደልዮ ንስኻ ትፍንፍኖ
ጨርሸ ክርሕቆ ካብ ልበይ ክምንኖ
ንድሕሪት ተመሊሰ ፈጺመ ከይጥምት
ናብ ብጽሕና ጥራሕ ብንጹር ኸቛምት
ብመንፈስ ክዓቢ ንስጋይ ክስዕሮ
ቃላትካ ተመጊበ ኣብ ልበይ ክዓቑሮ
ኣኽእለኒ የሱስ ንስኻ ከኣሊ
መፍቀርየይ እንዲኻ ንዓይ እትሓሊ
ኣኽእለኒ ኣቦ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ
ንስኻ እትደልዮ ጥራሕ ይኹን ኣብ ህይወተይ

0 comments
Other Poem