. . . ክንዲ ቋንቋይ!

Posted on 2012-12-15 · 1204 · 0 · 0

32 resources uploaded

እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ናይ መንፈስ ሓዊ
ሰናይ ምኻንካ ዝገለጸ ሃልሃልታ ፍቕሪ
ልበይ ዘሰነፈ ናይ መንፈስካ ርትዒ
ውሽጠይ ዘምከኸ ከም ስምዒ
ገይሩኒ እምበር ኪኸውን ነባዒ
ሓደ እዋን ብጓሂ ዝነበረ
ዓቕሊ ዘጽብብ ዙርያይ ምስ ከበበ
ብምብጻሕካ ግን ተጸናኒዐ
ሓጎሰይ ክገልጽ ከኣ ዓይነይ ነብዐ
ውሽጠይ ዝርዳእ ንዓኻ እንድየ ረኺበ

ኣእዛነይ ስለእተኸፍታ ንዓኻ ክሰምዕ
ሰይፊ ቃልካ ልበይ ዝበስዕ
ደገፍ ጸጋኻ ኣባኻ ዘጽንዕ
ስሕበት ፍቕርኻ ናባኻ ዘጸግዕ
ምሕረትካ እናኽዝክር ግን ዓይነይ ይነዝዕ
ስለእተዘከርኩ ኣነ ርሱዕ
ብመዝሙር ንዓኻ ክውድስ
ብህላውነትካ ሰለ ዝሕጎስ
ውሬታ ክመልስ ከቕርብ ምስጋናይ
ክገልጽ ሰናይካ ብውሑድ ቃላተይ
ንብዓተይ ግን ይቕድም ንምኽፋት ኣፈይ
“ተመሰገን የሱስ” ክብል ክገልጽ ሓጎሰይ
ንብዓተይ ይዛሪ ኮይኑ ክንዲ ቋንቋይ !!

“ሓይሎም ብኣኻ ዝኾነ፣ ብልቦም መገድኻ ዝሓስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም። ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም ኣዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቖሙ።” (መዝ 84፣5-7)

0 comments
Other Poem