ቀያሪ ወቕቲ!

Posted on 2013-11-15 · 1129 · 0 · 2

3 resources uploaded

ጭቃ ዝበዝሖ ክረምቲ ሂወታ
ጸልማት ዝጎልበቦ ዘስግእ መንገዳ
ረግረግ ዝብል ጸብሪ ኣእጋራ ዘስጠመ
ውሒጡ ዝሓዛ ሓይላ እንዳድከመ፣

ክትግዕር ብዓውታ ብኣውያት ክትጭድር
ገለ ተሓገዛ ድነ ሞት ክትብትን
ሰማዒ እንተሎ ዘኽትም ንጭንቃ
ኣውያታ ኣድሂቡ መጺዩ ዝብጀዋ
ይኣኽለኪ ዝብል ዝፍለጦ ቃንዝኣ
ክረምታ ወዲኡ ናብ ቀውዒ ዘብጽሓ
ጸልማታ ገፊፉ ጸሓይ ዘውጽኣላ፣

ሓይላ ኣኻኺባ ክትርኢ ክትፍትን
መዓጹ ተስፍኣ ግን ኩለን ተኸዊለን
ምርኣየን ክትስእን ርሒቐን ቀሪበን፣
ዝባላዕ ጽምዋ ክጽምሞ ነእዛና
ፈጺማ ክትስእን ኣጆኺንዶ ዝብላ
ክትቀርብ ክትምነ ንምሕዳር ኣብ ስቕታ
ኦሮማይ ክትገብሮ ኣሃዱ ቋንቋኣ።

ስጉምቱ ዘቕርብ ክነስእ ረዲኤት
ኣእዳው ዝዝርግሕ ዘልዕል ካብ መሬት
ጩራ ናይ ብርሃኑ ክትጥምት ኣርሒቓ
ኣብቲ ማእከል ጸልማት ኣብቲ ቀዝሒ ቁራ
ክሕድስ ተስፍኣ ክልውጥ ኩነታ
ብርቒ ተኣምር 'ዩ ምምጽኡ ኮይንዋ
ደው ኢሉ ኣብ ጎድና የሱስ ከናግፋ!

ረግረግ ዝብል ጸብራ ንድሕሪት ዘይመልሶ
በረኽቲ ኣብዚሑ ክልዕላ ዘይጨንቆ
ምስ ኩሉ ርስሓት ግዕዘይ ናይ ሂወታ
ከይጸየነ ንሱ ኣልዒሉ ክሓቊፋ
ነቲ በቃ ናታ በቃ ክብሎ ባዕሉ
ብሽውታ ክመጽእ ካብ ቦታ ማሕደሩ
ክትርኢ በዒንታ ክንደይ ተኣምር 'ዩ
ክትረኽቦ ታሪኻ ድንገት ተቐይሩ
ትስእን ውሬታ ዝበቕዖ ንዕኡ
ኣልቦ ዓቕሚ ኮይና ክትከፍል ውዕለቱ

ግን ስቕ ምባልሲ ኣይኮናን ምርጫ
ኮይንዋ እንድዩ ንሱ ዘለዎ ብልጫ
ከመይ'ላ ክትክእሎ ኣእዳዋ ኣጣሚራ
ኣፋ ከይከፈተት ከየውስአት ምስጋንኣ
ነዚ መናገፊ ዝኾና መደገፊ
እንኮ ትብሎ ንሳ "ንወቕተይ ቐያሪ"
ብርሃን ናይ ሂወታ ጸልማታ ቐንጣጢ
ካብ ረግረግረግ ሰልሚ ንነፍሳ መንዛዒ
ትዝመር እምበር ተፈቲሓ ከም ብተይ ትዕንድር
ኣብ ዓዲ ህያዋን ሰናዩ ትነግር
ቀይርዎ እንድዩ ወቕታ እቲ ጭቃ ክረምቲ
በቃ ኢሉ ኣብቂዕዎ እቲ ጸልማት 'ቲ ለይቲ
ጌርዎ ዕጭኣ ምዝላል ኣብ በረኽቲ
ክትሰግድ ንበይኑ ነቲ ጎይታ ክብሪ!

2 comments

ኣሜን ሃኒባል ሓወይ ብሩኽ! ንስኻ ውን ብብዙሕ ተባረኽ!

ኣምላክ ይባርኽኪ ዮዲታ
Other Poem