ሰሚዕኩሞ'ዶ እቲ ድምጺ

Posted on 2012-05-27 · 1126 · 0 · 0

3 resources uploaded

እወ
እወ ድምጺ ኣፍቃሪ፡ ዝህብ ቅሳነት
ድምጺ ተበጃዊ፡ ዝዕድል ሓርነት
ድምጺ እሙን ዓርኪ፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት
ድምጺ ናይቲ ሓያል፡ ዝጋልህ ንጸልማት
ድምጺ መድሓኒ'ዩ፡ ናይ የሱስ በዓል ናዝሬት።

ስለዚ
እምብለይ ኣይቁረንን በርዑት ናይ ግብጺ
ቶባ ድሕሪ ደጊም ንሽጉርቲ/ብርጭቕ ግብጺ
ምሕረትን ለውሃትን ዘይፈልጦ ፎርኦን ተበላጺ
እፎይታ ሰላም ዘይብሉ ብዘይካ ነውጺ
ሓርነት ግና ተኣዊጁ'ዩ ብናይ የሱስ ድምጺ
ንሞት ስዒሩ፡ ኣጽዋሩ ገፊፉ፡ ንሰይጣን ኣስታሕፊርዎ ብግልጺ።

እሞ'ኽ
በጺሒካ/ኪ'ዶ እዚ ኩቡር ጽውዓ
ተኻፋሊ/ት ሂወት ክትከውን ዝብል ናብ የሱስ ናዓ
ብስራት ናይቲ ንሞት ዝሰዓረ ኣእዛንካ/ኪ ይስምዓ
ካብ ሞት ከተምልጥ ሎሚ ብርኪ ልብኻ/ኺ ክጸንዓ
ብኸምኡ፡ ብእምነት ብጸጋ'ዩ፡ ኣይትመን'ዩ ብዋጋ
ብጺሒትካ/ኪ ክኸውን ሎሚ ናብ የሱስ ናዓ።

0 comments
Other Poem