ድኹም...ምኩሕ

Posted on 2012-01-28 · 1024 · 0 · 0

4 resources uploaded

እንተጎየኹ ኩሎም ይቕድሙኒ
ኮፍ እንተ'ልኩ መዛረቢ ይገብሩኒ
"ርእሰ ምትእምማን የብሉን፡
ብዙሕ'ዩ ኣበሩ
ስዕረቱ ኣይተርፎን'ዩ፡
ድኹም እዩ ብሱሩ"
እናበሉኒ...
ነቲ ንድኹም ሓይሊ ዚህብ
ንስኑፍ ድማ ብርታዐ
ጸዋዕኩዎ እናበልኩ "ጐይታይ ንውርደተይ ርአ"

ሻቡ ...
ሻቡ ለዊጥዎ ንድኻመይ ናብ ሓይሊ
ንውርደተይ ናብ ክብሪ
በቲ እቶም ጸላእተይ ዝመኸሩለይ ምኽሪ
ንሱ ከፊቱለይ ዘይዕጾ በሪ፡
ኣነ ድማ ደይበ ከም ንስሪ
ግናኸ እቶም ኩሎም ዝቐደሙኒ
ኣብቲ መገዲ ዛሕ ኢሎም ጸኒሖምኒ፡

እወ ድኹም እየ - ብኹሉ ሚዛን
ግናኸ ብርቱዕ እየ- ኣሎኒ ኺዳን!
ሓይሉ ኣብ ድኻመይ ካብ ተገልጸ
ምልኣቱ ኣብ ባዶነተይ ካብ ዓዘዘ፡
ብድኻመይ እምካሕ እምበር ከቶ ነየስቆርቁር!

"...ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ክሓድር ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።" 2ቈረ 12:9

0 comments
Other Poem