እንኮን ሓደን’ዩ !

Posted on 2013-10-31 · 1151 · 0 · 0

32 resources uploaded

ንኽትጉሂ - ንኽትሓዝን
ንኸተማርር -ንኽትቁዝም
ንኸተስተማስል -ንኸተጉረምርም
ምኽንያትካ ብዙሕ - ብዙሕ እዩ
ንኸተመስግንሲ እንኮን ሓደን እዩ
እግዚኣብሄር ፈቃር ሓላዪ ምዃኑ
ፈዋስ ቑስሊ- ዘናን ልቢ በይኑ
ዘይጥንጥን ዘይገድፍ ፈጺሙ
ዘጸናንዕ ዝድግፍ ንሱ በይኑ
"እኔኹ" ዚብል ንመእመኑ
ዚረድእ ንዚእመኑ
እሙን'ዩ ንዚኣመኑ

0 comments
Other Poem