መን'ዩ ኣነ?

Posted on 2012-03-27 · 1257 · 0 · 4

12 resources uploaded

እቲ ሰብ’ድየ...ናይ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ
ዝደለኽዎ ዝገብር ዝነበርኩ...ብዘይ ዓቕሊ፣
ንኽፍኣት እንተኾነ...ንምጽባእ
ክፉእ እናክገብር...ዘይሕባእ፣
ሕፍረት’ውን ዘይነበረኒ
ነውረይ ዝኸድነኒ
ወይ ኣነ...እቲ ኣነ፣
ብኣንነት ዝተተብተበ መንነት
ኣብ ምንም ዘየብጽሓኒ...እንትርፎ ክፍኣት
ትሕትና ዘይብሉ...እንትርፊ ኩርዓት፣

ግና...
እቲ ንኹሉ ኣንነት ዝሰዓረ
ኣባይ ክገሃድ ምስ መኸረ፣
እቲ ክሳደይ ዝወጠረኒ ትምክሕቲ...ተላዕለ
ንኻልእ ቦታ ክገድፍ...ፈጺሙ ተነቕለ፣

ሽዕኡ...
እወ ሽዕኡ...እቲ ብምሉእ መንነቱ ዝዓደገኒ
ፈጺሙ ኣትሪሩ ምስ ዓትዓተኒ፣
ከመይ’ለ ክሞልቕ...ካብ ሕቑፉ
ተጸምበርኩ’ምበር ምስቶም...ኣእላፉ፣

ሽዕኡ ተባህለለይ
“እቲ ኣረጊት ሞይቱ እንሆ ሓዲሽ ኮነ“
ሞት ብሞት ተሳዒሩ ትንሳኤ ምስኮነ፣
"ዎ ኣነ...ኣበይ ኣሎኻ ኣነ
ክሳድካ እትነፊሕ...ብትዕናነ"
በልክዎ ነቲ ኣንነተይ
ለካስ ሞይቱ እዩ የሎን ኣባይ፣
ኣድሃኹ...በልክዋ’ውን ንነብሰይ
ደጊም ካልእ ኢኺ...ንሱ ኣባይ፣
እቲ ሕጂ ዘለኽዮ መንነት
ጐይታ ኣባይ’ዩ...እቲ ህይወት፣
ካብ ኩሉ ትምክሕቲ...ዘንጽሃኒ
መንነቱ ኣባይ ክገሃድ...ዝሃበኒ
ክርስቶስ የሱስ...እቲ መድሓኒ።

“ካብ ኩሉ ክፍኣት ዘድሓነና ዘድሕነና’ውን ዘሎ ክርስቶስ የሱስ ጐይታን ኣምላኽን እዩ!”

4 comments

ኣሜን እዮባ .... ተባረኽ

ጎይታ ይባርካ ሚካኢል በርሀ........

ብሓቂ ከም ቃሉ ዝኾነ ጎይታ፤ ጎይታ የሱስ አባና ማሕደሩ ዝገበረ አምላኽ

· 2012-03-29
ጎይታ ይባሪካ .......ጎይታ አባይ እዩ... ብሓቂ የሱስ አባና.
Other Poem