ንመንፈሰይዶ ንስጋይ ክሰምዕ፧

Posted on 2012-04-05 · 1203 · 0 · 0

11 resources uploaded

ክልተ መጻርርቲ፡ ክልተ ተጻይ
ክልተ ተቓረንቲ፡ ክልተ አባይ
ክልተ ሓሳባት፡ ክልተ ሓይልታት
ዝደልዮ ንኸይገብር ዝድርቱ ባእታታት

ነየናዮም ክመርጽ ነየናዮም ክቐብጽ
ነየናዮም ክሓቁፍ ነየናዮም ክገድፍ
ነየናዮም ክጭብጥ ነየናዮም ክርጥርጥ
ነየናዮም ከሰስን ነየናዮም ከማስን

አነየ’ቲ አርእስቲ አነየ’ቲ ዘገድስ
ንዓይ ዘእመነ ንልበይ ዝወነነ’ዩ ዝነግስ
አነየ’ቲ ሜዳ አነየ’ቲ ዓውደ ኩናት
አብ አእምሮይ’ዩ ዝዓልብ ዝውርወር ሓሳባት

ስጋይ ክማርኸኒ ብዓለማዊ ትምኒት
ከእምነኒ ይብለኒ ሓጻር’ያ ሂወት
ምድራዊት’ያ ጠፋኢት ዘይኮነት ዘልአለማዊት
ተሓጎስ ባህ ይበልካ ተፈሳህ ተደሰት
ነፍስኻ ዝደለየቶ ግበረላ ሓጢአት ዝበሃል የለን
ምስ ሞትካ ኩሉ ይርሳዕ ይበንን
ሱቕ ኢሎምዮ’ም ዝዛረቡ ብዛዕባ ሂወት ድሕሪ ሞት
አብ እትሪኦ እትፈልጦ ንበር አብ ህሉው ፍኖት
መን አሎ ሞይቱ ዝተመልሰ ብዛዕብኡ ዝነገረና
ከም ዳስ-ሓውያ ናብ መቓብር ዝአተወ እምበር ዝወጸ ነይርኤና

መንፈሰይ ብወገኑ ሕሹኽ ይብለኒ
ተጠንቀቕ ከይትደናገር ንዓይ ስምዓኒ
ንሰብ ተዳሊሉ አሎ ሓንሳብ ሞት ድሕሪኡ ፍርዲ
ቃል ናይቲ ፈጣሪ ክፍጸም ዘይተርፍ’ዩ ብግዲ
ሂወት ዘልአለማዊት’ያ እንተ አብ ገነት እንተ አብ ገሃነም
አመራርጻኻ ተጠንቀቕ ከይትኸይድ ናብ ህጉም
ዕርፊ አጽንዕ አይትጠምት ንድሕሪት
ሰጉም ብአሰር ጀጋኑ እምነት አሽርፍ መኽሊት
ጉዳዩ ጉዳይ ዘልአለም’ዩ አይኮነን ብዛዕባ እዘን ውሑዳት ዓመታት
ንየሱስ ክንሪኦ ኢና ምስኡ ክንነብር ክንቅበል አኽሊል
ወይ’ውን ካብ ቅድሚ ገጹ ክንኩነን ክንድርበ ናብ ሲኦል
ናብቲ ጀማርን ደምዳምን እምነትካ የሱስ ጠምት አይትታለል
ጽናዕ በርትዕ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል

ልበይ ብሓሳብ ስጋ ምስ ፈርሀ፡ ብሓሳብ መንፈስ ምስ ተፈስሀ
ተፈሊጥኒ ንሓሳብ ስጋ ክነጽግ፡ ንሓሳብ መንፈስ ክብህግ

ንመንፈሰይ ሰሚዔ ተቐቢለዮ አብኡ ርዕመ
ኪዳነይ ከሐድስ ምስ መንፈሰይ አብ ውሽጠይ ውዕል ከቲመ
ዕዮ ወንጌል አብ ዘመነይ ጠጠው ከይብል ክቕጽል
ጉያይ ክውድእ ከም እሙን ባርያ ኣኽሊለይ ክቕበል
የማን ጸጋም ገዲፈ አብቲ ዝአመንኩዎ ክጸንዕ
አብ መንፈስ አምላኽ እምበር አብ ልቦናይ ከይጽጋዕ።

0 comments
Other Poem