ምእንታና'ዩ

Posted on 2012-08-24 · 1083 · 0 · 0

11 resources uploaded

ኣብ ናይ ፍትሒ ዓለም ፍርዲ ብኸምኡ እንክጥለም
ኣይኮነንዶ ክሕሰብ አይከኣልንው’ን ክሕለም
ንከታሪ ቀታሊ ሰብ ዝሰድድ ብነጻ
ነቲ ንጹህ ዝፈርድ ዘይገበረ ዓመጻ።

እቲ ብኽፉእ ግብሩ ብሰብ ዝተኻዕበ
ብእከይ ዝፍለጥ ሃገር ዘዛረበ
ብዙሓት ብምቕታል ሰብ ዘረብረበ
ምስቲ እንዳዞረ ጽቡቕ ዝገበረ
ሂወት ብዙሓት ካብ ዕረ ዘመቀረ
አብ መጋባእያ ፍርዲ ደው ኢሉ ማዕረ ማዕረ
በርባን ነጻ ተባሂሉ ገለ ከምዘይገበረ።

ፍትሒ ተረጊጹ ኢለ ክጣበቕ ክማጎት
ሰማያዊ ምስጢር ተገልጸለይ ብሃንደበት
በርባን ምኻኑ ናትና ናይ ሓጥኣን ኣብነት።

ለካ የሱስ ካብ ሰማያት ዝመጸ ተጋይሹ
ምእንቲ በደል ደቂ ሰባት’ዩ ብመከራ ተሓምሽሹ
ኣበሳ ወለዶታት ናብኡ ይሕለፍ ሓዲግዎ
ጽዋእ ዓስቢ ሓጢኣት ብዙሓት ባዕሉ ጨሊጥዎ።

ንሕና ብሂወት ክንነብር ሞትና ወሲዱ
ንኽንጸድቕ ተፈሪዱ፡ ንኽንከብር ተዋሪዱ
እሞ ይበልጽ ምስኡ ምስምማዕ፡ ኣብ መንገዱ ምጽናዕ
ካብ ደሓር ብበደልና ንዘልኣለም ባዕልና ንቕጻዕ።

ማር 15:7 "ምስቶም ጋሮ ዝገበሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተለ፡ በርባን ዚብሃል ተኣሲሩ ነበረ።"
ማር 15:11 "እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርገርዎም።"
ማር 15:15 "ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ኪስቀል ገሪፉ ሃቦም።"

0 comments
Other Poem