መዓድኒ ጸሓይ

Posted on 2016-02-01 · 657 · 0 · 0

7 resources uploaded

ኣንቲ ጸሓይ
ተትወርዲ ካብቲ ሰማይ
ተትኾኒ ሰብ ከምዚ ከማይ
ተዝነብረኪ ድሌት ፍቃድ
አንተትውንኒ ናትኪ ሓሳብ
ተዝህልወኪ ኣእምሮ
ተትሓስቢ ከምቲ ሰብ ዝገብሮ
ምኾንኪ ዶ ከምዚ ዘለኽዮ
ንፍቓድ ኣምላኽ ኩሉ ትነብርዮ
ንሓሳቡ ኣባኺ ካብ ጥንቲ
ትፍጽሚ ኩሉ በብሓንቲ
ወይስ ምኾንኪ ከምዚ ከማይ
እተብዝሒ ጽባሕ ዳሕራይ
ምበልኪ ዶ ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ
ቁሩብ ነዕርፍ ቁሩብ ንዋዘ
ዶስ ምበልኪ ዕዮ ኣሎኒ
ኩሉ ይጽናሕ ይትረፈኒ
አቲ ሰሓቕ አቲ ዋዛ
አቲ ጣዕሳ እቲ ትከዛ
ኩሉ ይጽናሕ
ኣሎ ዘየብል ንጽባሕ
እወ ምበልኪ
ኣምላኽ እኮ ክፈጥረኒ ከሎ
ኢሉ አኳንዩ ንጸልማት ከብርሆ
ንለይቲ ካብ ቀትሪ ክፈልዮ
ሂቡኒ አኳንዩ አቲ ዓቕሚ
ከውዕሎ ንኹሉ ኣብ ጥቕሚ
ይፈልጥየ ሎሚ ምዃና ናተይ
ክትስእ ደኣ ከሽርፍ መክሊተይ
ኣንቲ ጸሓይ
ውረዲ እባ ካብቲ ሰማይ
ሓንሳ አባ ኩኒ ከማይ
መዓድኒ በቲ ቋንቋይ
አቲ ምንታይ
ከይጠዓስ ዳሕራይ

ሞሪ

0 comments
Other Poem