እንቋዕ ፈለጥክዎ!

Posted on 2012-04-18 · 706 · 0 · 1

3 resources uploaded

እንቋዕ ፈለጥክዎ ነዚ ዓቢ ምስጢር
ኣዝዩ ዘደንቕ ዝተፈጸመ ተኣምር
ፈጣሪ ክነሱስ ከም ሰብ ክሓሰር
እንቋዕ ፈለጥክዎ...

እቲ ኣእላፋት መልኣኽቲ ዘምልኽዎ
ቅዱስ ቅዱስ ናበሉ ዝውድስዎ
ንሱ እወ እቲ ፈጣሪ ባዕሉ
ንኸኽብረኒ ብወርደት ኮብሊሉ
እንቋዕ ግን ፈለጥክዎ...

ንዓይ ክብል ትሑት ቦታ መሪጹ
ፍቕረይ ገዲድዎ ናብ መሬት ተገሊጹ
ተሸንኪሩ'ወ ኣብቲ ቀራንዮ
ንኽምቅርኒ ነቲ መጺጽ ሰትይዎ
እንቋዕ ግን ፈለጥክዎ...

እወ'ቲ ኣብ መስቀል ዕዳይ ዝኸፈለ
ንናተይ ፍቕሪ ጸማእኩ ዝበለ
ንስርየት ሓጢኣተይ ደሙ ዛሕዛሕ ዘብለ
ንምድሓነይ እወ ከይኣበሰ ከይብደለ
እንቋዕ ፈለጥክዎ ተዓዲለ...

"ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምእውን ኢና።" 1ይ ዩሃንስ 3፡1

1 comments

amlak ybarki haftina