ሕቶይ ተመሊሱ

Posted on 2012-02-11 · 993 · 0 · 0

12 resources uploaded

እንታ'ዩ ምንባረይ ኢለ ምስ ሓተትኩ
ደንጽዩኒ ምፍጣረይ እናተገረምኩ
አብ ብዙሕ በጺሐ ንብዙሕ ሓተትኩ
መልሲ ዘይብለይ ናብ ሕቶይ ተመለስኩ

ሓደ መዓልቲ ግን ሕቶይ ተመሊሱ
እቲ ናይ ይሁዳ አንበሳ አብ ልበይ ነጊሱ
ትርጉም ተረኺብዎ ምፍጣረይ
ይነብር አለኹ ጥዒሙ ምንባረይ

ነንመዓልቱ እናጸበቐ እናሸለመ
ጸቢቑ ሂወተይ'ውን ኣብረቕረቐ
ኣማን ብኣማን ንኽብሩ ፈጢሩኒ
አብ ቤቱ ክስረት ንዘላአለም ከኽብረኒ

ሓቲተ ግን እንታዩ ከምዚ ጌርዎ
ለካስ ፍቕረይዩ ገዲድዎ
አብ ቐራንዮ ሂወቱ አሕሊፉለይ
ክብሪ ንስሙ ይኹን ንየሱሰይ

0 comments