ብትዕግስቲ ፍረ ዚፈርዩ፥

Posted on 2014-02-24 · 843 · 0 · 0

5 resources uploaded

ብሓቂ ንጽድቂ ዝስዕቡ
ትሕትና ዝተዓጥቁ ትብዓት ዝተመልኡ
ዕርቂ ኣህዛብ ምስ ኣምላኽ ዝደልዩ
ግብሪ ጽድቂ ዝገብሩ
ሰማያዊ ሂወት ዝነብሩ
ቲዕቢት ንውድቀት ከምትቅድማ ዘስተውዓሉ
ውግእ እግዚኣብሄር ዝዋግኡ
ንኹሉ ዝጾሩ ንሰናይ ግብሪ ዝሓዙ
ፍርሓት ኣምላኽ ዝልበሱ
ረብሓ ርእሶም ዘይደልዩ
ዚጠቅም ዝደልዩ ንብጻዮም
ፈቃራት’ዮም ደለይቲ ሰላም
ርሑሩሓት መፍቀርቲ ንጸላእቶም
ዩኹን ንዝበሎ ኣምላኾም
እወን ኣሜንን ኢሎም ዝቕበሉ
ዮርሳሌም ክወርሱ
ምስ የሱስ’ውን ንዘልኣለም ይነግሱ።

መበገሲ ሓሳብ ፥ “ . . .ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዩም።” ሉቃ 8:15

0 comments