ኣበይ ኣለካ

Posted on 2015-01-23 · 1116 · 0 · 0

20 resources uploaded

ኣንታ ሓደ ንኩን ንጸውዕ ንጎይታ
ሓዘና ክቅንጠጥ ንጸሊ ብዓውታ
ብርሃን ክዉልዕ ዘለካዮ ከዉታ

እስከ ተመልከት አስተዉዕል እዋኑ
ፍቅሪ ዛሕቲሉ ሕዉነት ማህሚኑ
ሓሶት ቀኒዑ ሓቂ ተሸፊኑ
ሓጥያት ኣዕለቅሊቁ ጽድቂ ተሳኢኑ

ጉብዝናኻ ከይሓረረ ጠምት ንድሕረኻ
ተመልከት ንኩሉ አበይ ከም ዘለኻ
ኣንታ ተመለስ ተነሳሕ ናብቲ ዝመተልካ

ከይትዓጽወ ኮሎ ኣፍ ደገ ብክፍቱ
ጎይታ ከይተመልሰ ክወስድ ንብረቱ
ንዓ ሓወይ ተመለስ ምሱኡ ክትኣቱ

0 comments
Other Poem