ማራን ኣታ

Posted on 2012-12-19 · 1133 · 0 · 0

5 resources uploaded

መሲሕ ንኽመጽእ
ናይ ነብሲ ወከፍ ተስፋ
ብትዕግስቲ ብዓቕሊ
ኩሉ ብሃንቀውታ
ካብ ያቆብ ዝውለድ
ናይ እስራኤል መጀመርታ
ስለዚ
ነቲ ንጉስ ነገስታት እንኮ ወዲ አምላኽ
ብሰማየ ሰማያት እናተጸበይዎ
ደበኽ ኢሉ አብ ማእኸሎም
ከየስተውዓልዎ

ሕጂ ድማ ንሱ ናባይ
ከም ዝምለስ ዳግማይ
ንኹሉ ገዲፈ
ኣጻፊፈ
ከምቲ ቓል ዝብሎ
ንምጽኣት ክዳሎ
እወ
ድምጺ መለኸት ክሰምዕ
ነቒሔ ክጸንሕ
ምኽንያቱ
ሸዑ የልቦን ተበጃዊ
ዘናግፍ ካብ ሓዊ
ትቐውም ናብ ፍርዲ
ብዘይ መማለዲ
ጸሓይ ኣብ ምዕራባ
ብለይቲ ብድንገት
ኩላ ምስ ደቀሰት
ነቶም ናቱ ክወስድ
ንዓያሱ ክፈርድ
ኣብቲ መወዳእታ
ክመጽእ'ዩ ጐይታ።

0 comments
Other Poem