ዓሻስ ብልቡ ኣምላኽ የልቦን ይብል

Posted on 2012-08-05 · 957 · 0 · 2

11 resources uploaded

እቲ ዘይነበረ ነቲ ዝነበረ
አይነበረን ኢልዎ ከምዛ ዝነበረ
ዘበነ ግርምቢጥ’ዩ ማይ ንዓቐብ
ንኣምላኽሲ ያኢ የለን ክብሎ ሰብ
አበይ’ዩ በጺሑ እንታይ’ዩ ፍልጠቱ
ክንደይ’ዩ ዕድሚኡ እንታይ’ዩ ዕቤቱ
ኣይምሓሾንዶ ግዳ ንኣምላኽ ምፍቃር
ግዜ ከሎ ቅድሚ ምኻዱ ናብ መቓብር
ካብ ዳሕራይ ምሕርቃም አስናን
ሕጂ ይሓይሽ ብየሱስ ምእማን::


መዝ 14፡1 "ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን።"

2 comments

· 2012-08-23
አሜን ቶማስ ሓወይ ተባረኽ።

· 2012-08-22
ሓቕኻ መሃሪ ሃወይ አምላክ የባርክካ