ድሎ ከይትዕሎ

Posted on 2012-03-25 · 1105 · 0 · 2

11 resources uploaded

ድሎ ከይትዕሎ
ካብ ሕቑፊ ናብ ፍሑኽ
ካብ ፍሑኽ ናብ ታተ ታተ
ሰጊሩ ጉያ ምስ ተኻእሎ
መንከ ኣሎ ዝዕንቀፍ ዝመስሎ
መንከ ኣሎ ዝወድቕ ዝመስሎ
ሎሚ ግን እብለካ ኣሎ
“ድሎ”
ቃሉ ኣንብብ ድሎ!
ተንበርከኽ ጸሊ ድሎ!
ሕበር ተኻፈል ድሎ!
እቲ ናይ ፈተና ግዜ ከይመጸ እንከሎ
ጥሉል ኣእዋምካ ደርቂ ኸይዓብለሎ
ፍርዲ ኸይወጸ ከይከደነ ጸለሎ
ሓወይ ድሎ ኣዳልው ተዳሎ
ናብ ዝፋን ጸጋ ቕረብ ድሎ!
ጢናኻ ምላእ ድሎ!
ኣይትደቅስ ንቓሕ ድሎ!
እቲ ዝወደቐ ይተንስእ ይዳሎ
ሓመዱ ይንገፍ ርግጾኡ የደልድሎ
እቲ ደው ኢሉ ዘሎ
ይጠንቀቕ ይድሎ
ምእንቲ ኸይወድቕ ከይዕሎ!

“ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” እብ. 4:16

ግጥሚ ንዝርድኦ-03-2012

2 comments

· 2013-03-12
ኣኽሊሉ ሃወይ፡ ጎይታ ዪባርኽካ መመሊሱ።

ኣሜን ኣኽሊሉ፡ ተባረክ! ሓያል መልኣኽቲ ዘለዋ ግጥሚ።
Other Poem