እንቋዕ እኳ ንስኻ ኮንካ እቲ ደገ

Posted on 2013-03-18 · 705 · 0 · 0

10 resources uploaded

እንቋዕ እኳ ንስኻ ኮንካ እቲ ደገ

ዓሌተይ ጸዊዑ ፡ ዘርኣይ ጸብጺቡ
ዓጽመይ መርሚሩ ፡ ሕብሪ ዓይነይ ርእዩ
ምዃነይ ፈሊጡ ጽርኣዊ!
ካብ መንግስትኻ መትረፈኒ እቲ ኣይሁዳዊ
እንቋዕ ንስኻ ኮንካለይ እቲ ደገ
የሱስ ሰማያዊ!

ማሕፉዳይ ርእዩ ፡ መዝገበይ ኣጽኒዑ
ወርቀይ ኣሽሪፉ ፡ ብሲቓል መዚኑ
ምዃነይ ፈሊጡ ድኻ
እቲ ተጋዊ ፡ መትረፈኒ ካብ በረኸትካ
የሱስ ኣቦ ዘኽታማት
እቲ ደገ እንቛዕ ኮንካ ንስኻ!

ለምጸይ ርእዩ ፡ ንጽህናይ ኣጽኒዑ
ታሪኸይ መርሚሩ ፡ ሓጢኣተይ ፈሊጡ
ምዃነይ ፈሊጡ ርኹስ
ምጎሓፈኒ እቲ ፈሪሳዊ
እንቋዕ እኳ ንስኻ ኮንካ ጽድቀይ
የሱስ ፍትሓዊ!

ባርነተይ ፈንፊኑ ፡ ስንፍናይ መዝሚዙ
ኣደራዐይ ኣከባቢዱ ፡ ማንነተይ በሪዙ
ምኻነይ ፈሊጡ ባርያ
መጋፍዓኒ እቲ ሮማዊ
እንቋዕ እኳ ንስኻ ነገስካ
የሱስ ሰማያዊ!

ድንቁርናይ ርእዩ ፡ ፊደል ዘይሙቕጻረይ
ድሕረተይ ኣስተብሂሉ ፡ ቀለም ዘይምጽጋበይ
ምኻነይ ፈሊጡ መሃይም
መትረፈኒ እቲ ግሪኻዊ
እንቋዕ ንስኻ ኮንካ ጥበበይ
የሱስ ናዝሬታዊ!

0 comments