ወይ ጋዶ፣ ኣታ ሰብ (1)

Posted on 2013-03-05 · 1095 · 0 · 0

30 resources uploaded

ወይ ጋዶ
ሰብ ዝብልዎ እዚ ሓጺር ዘመኑ
ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ዝነብር ንበይኑ
ጥበብ ክደልዩ ክፈልጡ ብዙሕ ዝህቅኑ
ተመጣጢሮም ተመጢጦም ከምቲ ልዑል ክኾኑ

ወይ ጋዶ
ናበይ ገጾም ኮን ይኾኑ፧
ናብ ዝሓሸዶ ወይስ ዝገደደ ውድቀት ይኾኑ፧
ብጠበቦም ንኣምላኽ ምስ ሰኣኑ
ኣምላኽ የለን ኢሎም ዝኣመኑ

ወይ ጋዶ
ንሱስ ኩሉ ግዜ እዩ ኣብ ዝፋኑ
ንሳቶም ደኣ ርሒቖም ካብኡ ኣብዮም ምእማኑ
ክርእይዎ ደልዮምሲ ምርኣይ ምእማን ኢሎም
ጀሚሮም ስነ-ፍልጠት ከረኽቡ ከፍልጡ መበቆሎም

ወይ ጋዶ
እቲ ዘፈጠሮም ዝገበሮም ብምስሉ
ክኾኑ ናቱ ንእኡ ዝውክሉ
ደልዩ ከምልኽዎ ነቲ ጐይታ ኹሉ
ዓልዮም ደኣ ወዲቖም ከም ኣምላኽ ከኾኑ ክብሉ
ኣየ ዕሸነት ነቲ ዝኾንካዮ ምዃን ረሲዕካ
ነቲ ዘለካ ምስሊ ክትከውን ምድላይካ
እዚስ ዕሽነት’ዩ ዝመርሕ ናብ ውድቀትካ
ወይ ጉድ
ዕሸነት ሳዕሪሩ ዘይምእዛዝ ከወልድ
መንገዲ ኣምላኽ ገዲፍካ መንገድኻ ክትከይድ
ብቐደሙ እኮ ንኣምላኽ መሲልካ ኢኻ ተፈጢርካ
ዘይትኸውን ግዳ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልየካ
ንእኡ ብምእዛዝ ኢኻ’ኮ ተርኢ ምስልኻ
ኣብኡ ኢኻ ትረኽቦ ዕጋበት መንነትካ

... ይቕጽል

0 comments
Other Poem