ንመለስ ናብቲ ኩሉ ዝክል

Posted on 2015-01-23 · 691 · 0 · 0

20 resources uploaded

ንመለስ ናብቲ ኩሉ ዝክል
ኢድ ኣምላኽያ ኢድ እቲ ልዑል
ትረኽበና ዘላ ህዝበይ ትሕት ንበል
ናብ ፈጣሪና ንመለስ ኢድና ነልዕል
ይጽወዐና ኣሎ ትኹሉ ዝኽእል

ናይ ሰብ ኣይኮነን ዝረኽበና ዘሎ
መቅጻዕቲ ኢዩ ሓጥያትና ዘንቀሎ
ስለዝኣበና ኢዩ ንፈጣሪ ክጽውዕ ከሎ
ንመለስ ህዝበይ ንመለስ ብተሎ

ህጂኸ እንታ'ዩ ተሪፉ ነትርር ልብና
ብኸንቱ እንዳ ጠፍኡ ጨላቅዕ ኣሕዋቲና
ንመለስ ህዝበይ ኣምላኽ ይሕሸና
ምሕረት ዝህበና ዘዕርፍ ልብና

ንመለስ ህዝበይ ንመለስ
ልቢ ኣምላኽ ክርስርስ
ገጹ ናባና ክመልስ
ሃገርናን ህዝብናን ምእንታን ክቅድስ

0 comments