አየሕፈርካንን

Posted on 2012-05-14 · 998 · 0 · 1

12 resources uploaded

ብሽግር ክሓልፍ ብጸበባ
ነብሰይ ጨኒቕዋ ቅብጸት ከጎልብባ
ኩሉ ተስፋ ዘይብሉ ኮይኑ
ለይታ አብ ምውግሑ ደቢኑ

ናባኻ ጥራይ ክትጥምት ከላ
ሰባት እዚድዩ አምላኽኪ ኢሎም ከባጭውላ
አይፈለጡን ከምዘይትቕልጥፍ ከምዘይትድንጊ
እቲ ዝበልካዮ አብ ግዚኡ ፈጻሚ

ሕጂ ግዳ ግዚኡ በጺሑ
ርእሰይ አቕኒዐ ብትብዓት ዝረግጸሉ
አየሕፈርካንን አሕሊፍካኒ ንኹሉ
ከምቲ ዝበልካኒ ሕልመይ ተጋሂዱ

ንዓኻ ተአሚኑ ከንቱ ዝተረፈ
ብዕጽፊ ጸቢቑ ታሪኹ እንደገና ከይተጻሕፈ
ዝተረፈ አይረአኽኡን ዘይተደበሰ ብአኻ
ቓልካ ትፍጽም እሙን አምላኽ ኢኻ

1 comments

amlak ybarki niyat habtey aytegagekin never ab amlak tewekilu zihafere yelon.emun eyuuuuuuuuuuuuuu bihaki berti ajoki