ዋጋ መሪሒነት ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ነስተውዕል ዶ?

Posted on 2012-01-23 · 1678 · 0 · 2

32 resources uploaded

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ዓለምን ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ቤት ኣምላኽ ገጢምዋ ዘሎ ብድሆ ሓደ ናይ መርሒነት ወይ ከኣ ቡቑዕ ዝዀነ መራሒ ምስኣን እዩ። ከምቲ ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ኣንፈተን ዘይፈልጣ እዚ እዋን እዚ ኸኣ ብሰንኪ ብቑዑ ዝኸነ መሪሒነት ዘይምርካብ ኣንፈቶም ጠፍእዎም ይርከብ። ብዙሕ ግዜ ንመሪሒነት ዘይብህግ ሰብ የሎን። ነዚ ንምርካብ ከኣ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ህይወትን ንዋትን ይኽፈሎ ኣሎ። ሰባት መሪሒነት ክንሕዝ ኢና እንብህግ እምበር እቲ እዚ ነገር እዚ ዘኽፍሎ መስዋእቲ ንምኽፋልሲ ፍቓደኛታት ኣይኮናን።

እዋና ንመሪሒነት ምስ ስልጣምንንን ዝናን ክብረትን ኣታሓሒዝዎ ስለ ዘሎ ኣብ ብዙሕ ምድንጋር ኢና ንርከብ ዘሎና። ኣብ መሪሕነት ዝተቐመጡ ሰባት ክንዮ ገዛእ ርእሶም ምርኣይ ተሳኢንዎምሲ ንብዙሓት ንምረት ንውድቀትን ንሃገርን ቤትኣምላኽን ከኣ ንዕንወት ይኾነ ኣለዉ። ብፍላይ መንእሰያት ጽባሕ ንግሆ ዝጽበየና ዘሎ ናይ መሪሕነት ዕማም ኣዚዩ ዓቢ እዩ ስለዚ ከኣ እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ከይድገም መታን ዋጋ ንምኽፋልን ቁሩብነትና ንምርኣይን ክንጋደል ኣሎና። ሎሚ ቤት ኣምላኽን ሃገርን ንዓና ይጸበያ ኣለዋ። ነዚ ክሳብ ክንደይ ንገዛ ርእስና ኣዳሊና ኣሎና? ኣምላኽ ምስትውዓልን ጥበብን ኮታ እንተ ዝህበና።

ንዓና እቲ ኣዚዩ ዝዓበየ ኣርኣያናን መምህርናን ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ እዩ። ኣብዛ ምድሪ ኸኣ ከም መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ጌሩ መሪሒነት እንታይ ምኻኑ ብግብሪ ዘርኣይ ኣካል የሎን። ሎሚ ኸኣ እምብኣር ብዛዕባ መሪሒነት ቅድሚ ምሕሳብና መሪሕነት ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ ካብ ህይወት መድሓኒና ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ክንሪኢ ኢና። ንእግረመገደይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዝተቐመጦ ቦታን ብዝተዋህቦ ዕማምን ናይ መሪሕነት መሰል ኣለዎ እዩ። መራሒ ክንብል እንከሎና ብኣዚዩ ዓቢ ነገር ጥራይ እንተ ዘይጠመትናዮ ሰናይ እዩ። መሪሒንነት ምስ ሓላፍነት ዝተተሓሓዘ ጉዳይ እዩ። ንሕና መንእሰያት ኣመንቲ ኸኣ ብጎይታና ብየሱሱ ክርስቶስ ዝተህበና ሓልፍነት ኣሎና እንተ ብንእሽተይ ወይ ብዓቢ ኸኣ ኣብ ገለ ጽፍዒ ክንህሉ ናይ ግድን እዩ በዚ መንፈስ ክንርእዮ ኸኣ ሰናይ እዩ።

1 መሪሒነት ካብ ድሊት ገዛእ ርእስኻ ወጺኻ ድሌት ካልኦት ምምላእ እዩ።
መቸም እቲ ዘመና ኩሉ ግርምቢጥ እንድዩ። ኣብዚ እዋና እዚ እዛ ዝበልናያ ኣርእስቲ እኳ ተቐይራ ኣላ። ሩሑቕ ከይከድና ኣብ ቀረባ ዀይና ንዕዘቦ ኣሎና። ሰባት ናብ ስልጣን ክመጹ ዝደልዩ ንድሌትን ባህግን ገዛእ ርእሶም ኣቐዲሞም እምበር ንኻልኦት ኣብ ግምት ብምእታው ኣይኮነን። እዚ ግና ኣብቲ ኣምላኻዊ ኣካይዳ ብፉጹም ኣይሰርሕን እዩ።

ንሕና ኣመንቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዛዕባ መሪሒነት ዝምልከት ንጹር ዝኸነ መመርሒ ተነጊሩና ኣሎ። ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና ንድሌት ካልኦት ክንመልእ ኢና ተጸዊዒና። ናብ የሱስ ክርስቶስ ንመለስ። የሱሱ እቲ ዝዓበየ መራሒና እዩ። የሱሱ ኣምላኽ በዓል ስልጣን ድላዩ ክገብር መሰል ዘለዎ ንምግዛእ ሓይሊ ዝውንን እዩ። ነዚ ኹሉ ሓዲጉ ግና ናይ ካልኦት ድሌት ክመልእ ናብና መጺኡ። ናይ ፊሊጲ ጸሓፋይ ጳውሎስ ከኣ “ኣምላኽ ክነሱ ነቲ መዓረ ኣምላኽ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን ይብለና።

የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ከም መራሒ ኰይኑ ኣብ ዝተመላለስሉ እዋን ንኻልኦት እምበር ንገዛእ ርእሱ ኣይቐደመን ንድሌት ካልኦት እምበር ንድሌቱ ኣይነጻባርቐን። እዚ ድማ ኣብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ምድሪ ኣገልግለቱ ኣርጋጊጽዎ እዩ። እምበኣር ኩቡራት መንእሰያት ኣብ መሪሒነት ምምጻእ ማለት ንድሌት ገዛእ ርእስኻ ምድርባይ ምኻኑን ሽመትካ ወይ ኣብ ስልጣን ምምጻእኻ ብዛዕባ ናትካ ነገር ምንጽብራቕ ከም ዘይኰነ ኣርጊጽና ክንፈልጥ ይግብኣና። ከምቲ ሃውርያ ጳውሎስ እቲ ክምካሓሉ ዝኽእል ናቱ ዝብሎ ኩሉ ከም ጓሓፍ ዝቖጸሮ ሎሚ እውን ንገዛእ ርእስና ኣብቲ እንደልዮ ኣምላኽ ከእ ከቐምጠና ዝደሊ ናይ መሪሒነት ቦታ ቅድሚ ምድያብና። ነቲ ናትና ንብሎ ከም ጋሓፍ ክንቆጽሮ ይግባእ።

ኣብ ሓቐኛ መሪሒነት መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዋላ ድሌት ናቱ ኣይምላእ ናይ ካልኦት ድሌት ክመልእ እዩ ዝጓየየ። የሱሱ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ክብሩ ሓዲጉ ምውራዱ ገለ ነገር ስለ ዝጎደሎ ዘይከነ መታን ነቲ ዝጠፍእ ዘሎ ሰብ ንምምላስን ናይ ምድሓን ዕማም ንምዕማምን እዩ። ነዚ ኸኣ እዩ እቲ ዘለዎን ዝግብኦን ኩሉ ዝሓደገ። ሎሚ ኣብ ንእሽቶይ ነገር ናትና ነገር ንምሕዳግ ቁሩባት እንተ ዘይከና ኣብ ስልጣን መጺና ንናይ ካልኦት ከነሕድግ እንተ ዘይከይኑ ብቑዕ ዝዀነ ስራሕ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና።

ናትና ድሌት ክንመልእ ኢልና ንኻልኦት ምግልጋልና ፋይዳ ከም ዘይብሉ ንፈልጥ ዶ? ጎይታ የሱሱ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ከግልግል እምበር ክግልግለ ኣይመጸን። ሎሚ ንርእዮ ዘሎና እሞ ኣንጻሩ እዩ። ብዙሕ ግዜ በቲ ዘሎና ንእሽቶይ ይኹን ዓቢ መዝነት ሰባት ከገልግሉናን ክስዕቡናን እምበር ከነግልግል ፍቓደኛታት ኣብ ዘይኮናሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘሎና። መድሓኒና ኸኣ ነዚ ኣዚዩ እዩ ዝጻረሮ። ምኽንያቱ ካብቲ ሓደ ንደቂ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ነገር እዚ እዩ ከገልግሉ እምበር ክግልገሉ ከም ዝይግባእ ከመይሲ ወዲ ሰብ ከግልግል እምብር ክግልገል ከም ዘይመጸ ስለ ዝፈልጥ ኣዩ።

ኣሰራርሓ ኣምላኽ ምስ ኣሰራርሓ እዚ ዓለም ኣይከይድን እዩ ወረግ ኣንጻር እዩ። ኣብ ዓለም ኣብ መርሒነት ዘሎ ሰብ ግበረለይ እዩ ዝብል ኣምላኻዊ ልቢ ዘለዎ መራሒ ግና ከገልግለካ ክገብረልካ እዩ ዝብል። ዓለማውነት ዘጥቅዖ መራሒ ድሌትይ መልእይ ክብል ከሎ እቲ ልቢ መድሓኒ ዘለዎ መራሒ ግና ክገብረልካ ድሌትካ ክምልእ እዩ ዝብል። ኣብዚ እዩ ዘሎ እቲ ፍልልይ። ሎሚ ኣብ ብዙሕ ሕንፍሽፍሽን ምፍልላይን ወዲቕና ዘሎና እዚ ዓይነት መንፈስ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ንድሕሪት ስለ ዝደርበና እዩ። ክሳብ እቲ ታሕተዋይ ደረጃ ዝበሃል ኣገልግሎት ንሰባት ከነገልግል ፍቓደኛታት ክሳብ ዘይኮንና እዋን ኣብ መሪሒነት ክንቅመጥ ኣይንኽእልን ኢና ዋላ ተተቐመጥና ኸኣ ነፍርዮ ፍረ መሪርን መጺጽን እዩ ዝኸውን። ስለዚ እስከ ንገዛእ ርእስና ንሕተት ካብ ድሊትን ባህግን ገዛእ ርእሰይ ወጽየ ዶ። ንኻልኦት ንምግልጋል ቁርብነተይ ክንድምንታይ ዓቢ እዩ?

መርሒነት እምበር ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺኻ ድሌት ካልኦት ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ድሕሪት ሰሪዕካ ንኻልኦት ኣቕዲምካ ዝግበር ኣገልግሎት እዩ። የስሱ ክርስቶስ ኣምላኽነት ከም ዝሓደገ ኣብ መሪሒነት ምቕማጥ ከኣ ክብረትካ ምሕዳግ ከምዘሎ ኣይንረስዕ። ኣብ ዓለም ኣብ መሪሕነት ዝቕመጡ ሰባት ክብረት ክውስኹ ኢሎም እዮም ዝድይቡ። ኣብቲ ኣገልግሎት ኣምላኽ ግና ብኣንጻሩ እዩ። ሎሚ ኣብ መንጎና ዘሎ ባእሲ ምንጩ እንታይ ምኻኑ ንፈልጦ ዶ? ኣብ መንጎአና መን ይዓቢ ብዝብል እዩ። ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ከኣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንደቂ መዛሙርቲ ክዛረቦም ከሎ እቲ ጎይታ ክኸውን ዝደሊ ባርያ ደኣ ይኹን ይብሎም። እሞ ጎይታ ምኻን ዝመጽእ ባርያ ብምዃን ምኻኑ ኣይንረስዕ።

2 መሪሒነት ንኻልኦት ሓላፍነት ምሃብ እምብር ንኹሉ ነገር ባዕልኻ ምቑጽጻር ኣይከነን።
ሓደ ጻሓፋይ ክዛረብ እንከሎ “መሪሒነት ማለት ንኻልኦት ከም ዝሰርሑ ምግባር ማለት እዩ ይብል። ሓቑ እቲ መሪሒነት ስልጣንን ክብርን ዝመስሎ ሰብ ኩሉ ነገር ባዕሉ እዩ ክዓሞ ዝደሊ። ንኻልኦት ዕድል ክህብ ፈጺሙ ኣይደልን ኣይብህግን ከኣ ኣዩ። ንካልኦት ኩሉ ግዜ ብዓይኒ ጥርጠራ እዩ ዝርእዮ። ካልኦት ክሰርሑ ዘይደልየሉ ምኽንያት ከኣ ስልጣኑ ዝውሰዶ ስለ ዝመስሎ እዩ። ዘሕዝን ነገር ከኣ እዚ እዩ። ውጺት ናይዚ ኸኣ እንታይ ምኻኑ ንርእዮ ኣሎና። ካብቲ ፍረ ሓደ ኣብ ውሽጥና ዓይይቲ ክንዲ ዝበዝሑ እናወሓዱ ይኸዱ። ካብዚ መንፈስ እዚ ክሳብ ዘይወጻናን ንኻልኦት ዕድል ክንህብ ፍቓደኛታት ክሳብ ዘይኮና ግዜ ኣብ መሪሕነት ክንቕመጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ መሪሒነት ዘሎና ግና ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዘሎና ሰባት እንተ ሃሎና ኸኣ መርሕቲ ዘይኮና ገዛእትን ጨፍለቕትን ምዃና ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ።

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ካብቲ ሓደ ደስ ዘብል ዝሓደገልና ኣርኣያ እዚ እዩ። መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ኩሉ ክገብር ስልጣን ኣለዎ። ባዕሉ ኩሉ ክዓምም ከኣ ምንም ኣይጽግሞን። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግና ጎይታ የሱሱ ነቶም ሰዓብቱ ሙሉእ ዝኰነ ሓላፍነት የሸክሞምን የዕይዮምን ነበረ። ስልጣን ሂቡ ኸኣ ኣሚኑ ሊኢኺዎም። ሎሚ ንኽልኦት ዕድል ንምሃብ ዘይተዳለኻ እንተ ኸንካ ጽባሕ ኣብ መርሒነት ምስ መጻኻ እንትርፎ ከተበላሹ ካልእ ቁምነገር ክትገብር ከም ዘይትኽእል ካብ ሕጂ ጀሚርካ ክትፈልጥ ይግባኣ።

መሪሒነት ንኽልኦት ዕድል ምሃብን ምውሳእን እዩ። ባዐለይ ጥራይ ይፈልጥ ምባል መልለዪ ናይ ደቂ ኣምላኽ ኣይኮነን። ካልኦት ከባላሽዎ ስለ ዝኽእሉ ኣነ ባዕለይ ደኣ ክገብሮ ምባል ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ እዩ ዝበዝሕ። ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ሓደ ግዜ ኩሉ ነገር ባዕሉ ዝገብሮ መሲልዎ ዕማም ኩሉ ኣብ እንግድዑኡ ጌሩ ይመርሕ ነበረ። ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ከኣ ብዘይዕርፈቲ ይዓዪ ነበረ። ንኹሉ ድሌት ህዝቢ ግና ክመልእ ኣይከኣለን። ነዚ ዝተዓዘበ ሓሙ ሙሴ ኸኣ ንሙሴ ሓደ ዓቢ ዝዀነ ምኽሪ ዝመኸሮ ንሱ ኸኣ ባዕሉ ኩሉ ክገብር ከም ዘይክእል እንተፈተነ እውን ካብ ምዕራይ ንላዕሊ ከባለሾ ከም ዝኽእል ስለዚ ሰባት ከሳትፍን ሓላፍንመት ክህብን ከም ዘሎዎ መኸሮ። ሙሴ ከምዚ ኣብ ዘመና ናይ መሪሒነት ጽምኢ ዘሎና ሰባት ስለ ዘይኮነ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ነቲ መመርሒ ተግባራዊ ክገብሮ ጀመረ ብዙሕ ከኣ ኣስለጠ።

ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ ኣግልግሎትናን ንጥፈታታ ቡዙሕ ምጉታትን ዘይምስላጥን ዝረኣ ንኻልኦት ዕድል ምሃብ ስለ ንሽገር ኢና። ሎሚ ይብል ሓደ ዛክ ፑናን ዝተባህለ ኣገልጋሊ ኣብ ቤት ኣምላኽ 95% ተዓዘብቲ ክዀኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ 5% ከኣ ኣገልገቲ እዮም። እቲ ሕቶ እቶም 95 ሚኢታዊት ጸጋ ዘይብሎም ስለ ዝኸነ ዘይኮነስ በቶም 5ሚእታዋኢት መራሕቲ ዕድል ስለ ዝይተዋህቦም እዩ ይብል። ሎሚ ካብ ንእሽቶይ ጀሚርና ንኻልኦት ዕድል ምሃብ ክንመሃር ኣሎና። ድሕሪኡ ከመይ ዕወት ናይ መሪሕነት ሃዋህ ከም ዝህልወና ክንሪኢ ኢና።

የሱስ ኣምላኽና ንኻልኦት ከም ዘለዉዎ ዕድል ዝህብ ኣምላኽ እዩ። ከም ዘባላሽዉ ከምዝጽይቑ ይፈልጥ እዩ ነገር ግና ይኣምኖም ኔሩ። መተዓይይቲ የሱሱ ክርስቶስ እኒ ጴጥሮስ እዮም ኔሮም ግና ሰብኣት ጌሩ ደው ኣቢሉ ንዕዩኡ ኣኳ ተጠቂምሎም። እቲ ዝገርም የሱስ እኳ ንዓና ኣሚኑ ዕድል ካብ ሃበና ንሕና ደኣ ስለምንታይ ንኻልኦት ዘይንኣምኖም?

እምበኣር ኩቡራት መንእሰያት ካብ ሎሚ ጀመሪና ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ከይበጻሕና ንኻልኦት ዕድል ምሃብ ንመሃር። እቶም ኣብ ቕድሚ የዒንትና ዘይጠቕሙ ዝመስሉና ታሪኽ ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ኣይንጠራጠር። መጽሓፍ ቁዱስና ከም እኒ ዮሴፍ ዳዊት ጊዴውን ዝኣመስሉ ዘይጠቕሙ ዝመስሉ ሰባት ኣምላኽ ኣሚኑ ዕድል ስለ ዝሃቦም ታሪክ ሰሪሖምን ንኽብሪ ኣምላኽ ደው ኢሎም ሓሊፎም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሜቶውስ ንቲቶስን ካልኦትን ዕድል ስለ ዝሃበ እዩ ሓደራ ወንገል ከስፍሕ ዝኸኣለ። ስለዚ ኣብ ዘለናዮ ንእሽቶይ ኮነ ዓቢ ቦታ ካልኦት ክሰርሑ ክንጽዕርን ክንጋደልን ኣሎና። እምብኣር መርሒነት ቦታ ምሓዝ ማለት ዘይኰነ ንኻልኦት ቦታ ምሕዳግ እዩ። ሓደ ግዜ ኣብቲ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን። እያሱ እቲ ኣሰር ኣሰር ሙሴ ዝስዕብ ገለ ሰባት ክንበዩ ርኣየ እሞ ኢዝዩ ተቖጠዐ ንሙሴ ኸኣ ገለ ሰባት ይንበዩ ከምዘለዉ እሞ ደው ከብሎም ከምዝደለየ ሓበሮ ሙሴ ዝተዛረቦ ነገር እንተ ኔሩ ግና መን ምሃበ ኩሉ እንተ ዝንበ ክብል መለሰሉ። እወ መን ምሃበ ኩሉ ሓለፋና ኰይኑ እንተ ዝሰርሕ እንተ ዝመርሕ። እዚ መንፈስ ሙሴ እዚ ኣብና እንተ ዝሰርጽ። ቡዙሕ ግዜ እንጋገዮ ዋላ ነቲ ዘይንኽእሎ ንኽእሎ ስለ ዝመስለና ኣብ ኩሉ ንኣቱ እሞ ነቲ ሓደ ከይወዳእና ነቲ ካልእ ንጅምር ኩሉ ኸኣ ከይተወደኣ ሓዲግ መዲግ ኮይኑ ይተርፍ። እቲ ዕንወት ከኣ ብኡ መጠን ይውስኽ ስለዚ ኸኣ ክሳራ ኾይና ንተርፍ። ነቶም ጸጋ ዘለዎም ሰባት ዕድል ክንህብ ከኣ ኣምላኽ ይርዳኣና

3 መሪሒነት ክንዮ ስግር ኣማዕዲኻ ምርኣይ እዩ። ኣብ መሪሒነት ዝተቐመጠ ሰብ ክንዮ ኩሉ ሰብ ብቑመት ኣዚዩ ነዊሕ እዩ።
ኣዒንቱ ኸኣ ካብ ናይ ኩሉ ኣንጺረን እየን ዝራኣያ። ከም ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ዝርኢ። ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጸሊም ኣሜርካዊ ኣብቲ ብዛዕባ ጸለምቲ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ብሓንቲ ኣዚያ ህብብቲ ቃል ይፍለጥ ነበር ንሳ ኸኣ ሕልሚ ኣሎኒ ብእትብል ቃል እያ። እወ ማርቲን ሉተር ሕልሚ ኣሎኒ ሓንቲ መዓልቲ ጸለምትን ጸሓዱን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንኣምላኽ ዘምልኽሉ ሓቢሮም ዝሰርሑሉ ኮፍ ኢሎም ዝመሃርሉ ግዜ ኣሎ ኢሉ ተዛሪቡ እዚ ራኣይ ኢዚ ኣብ ዘመኑ እኳ ብዝግባእ እንተ ዘይተፈጸመ እንሆ ሕልሙ ጋህዲ ኮይኑ ንርእዮ ኣሎና። ሕሉፍ ሓሊፉ እንሆ እኳ ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ኦባማ ዝብሃል ጸሊም ኣሜርካዊ ንፕሪዝደንትነት ይወዳደር ኣሎ።

ኩቡራት መንእስያት ካብ ሕጂ ጀሚርና ኣብ መሪሕነት ቅድሚ ምቕማጥና ራኢና እንታይ እዩ? እቲ ዓቢ መመህርናን ኣርኣያንን ዝዀነ ጎይታና የሱስ ክንዮ ምምጽኡ ናብ ዛምድሪ ዝጥምቶ ዓቢ ነገር ስለ ዝነበረ እዩ ክንዮ ስቓዩ ክብሪ ክንዮ ሞቱ ኸኣ ትንሳኤ ዝረኣየ። ኣብተን ዝነበርኣ ናይ 33 ዓመት ናይ ምድሪ ጉዕዝኡ ኸኣ ንዘልኣለማውነት ዝኸውን ነገር ኣዳልዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ወትሩ የዒንትና ክፉታት ክዀና ዝደሊ። ሕቱኡ ንዓና እንታይ ትርእዩ ኣለኹም ዝብል እዩ.።

ንሕና ዉሉድ ኣምላኽ ንዓቢ ዕማም ዝተጸዋዕና ካብ ኮና ክንዮ እንዓዮ ዕዮ ክንሰርሕን ክንርእን ሓላፍነት ኣሎና። መራሒና የሱሱ ክርስቶስ ንደቂ መዛምርቱ ክጥምቶም ከሎ ኣብቲ ሹዑ ዝነበርዎ ኩነታት ዘይኮነ ኣማዕድዩ እቲ ብኦኦም ኣቢሉ ዝገብሮ ተግባራት እዩ ዝርኢ ዝነበረ። መሪሕነትን ራእይን ብምንም ተኣምር ክነጻጸል ዘይክእል ነገር እዩ። እቲ ዝበዝሕ ጸገምና ኣተክሮና ኣብ ሕጂ ስለ ዝኸውንን ንሕጂ ኸኣ ስለ ንሰርሕን እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ዕዮና ኣድማዕነቱ ኣዚዩ ዝተሓጽረ ይኸውን ክንዮ ሓጹር ከኣ ተወንጪፉ ክከይድ ኣይክእልን።

ሓይልና ብመጠን ራኢና እዩ። ሎሚ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ኣብ መሪሒነት ዘለዉ ሰባት ክንዮ ገዛእ ርእሶም ክርእዩ ብዘይምኻኣሎም እዮም እንሆ እቲ ሓቐኛ ዕዮ ኣምላኽ ከም ዝግባእ ከውንጨፍ ኣይክኣለን። እቲ ክንዮ ናቱ ነገር ራኢ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓሸውየን ምንቛትን ኣይኣቱን እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተሞርከሰ ስራሓትን ኣገልግሎትን ከኣ ኣይዓምምን እዩ። ኣብ ሎሚ ኰይኑ ናይ ጽባሕ እዩ ዝርኢ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዘለዎ ሰብ ኣብ መሪሒነት እንተ ተቐሚጡ በቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝኸውን ብድሆታት ኣይስንብድን ከመይሲ ኣርሒቑ ዘቋምቶ ነገር ኣሎ።

እቲ ራእይ ዘለዎ መራሒ ዝዀነ ዓይነት መስዋእትነት ክስውእ ፍቓደኛ እዩ። ኩቡራት መንእሰያት ሎሚ ንእሽቶይ መስዋእትነት ክንከፍል ዝኸብደና እንተ ዀይኑ ጽባሕ ናብ መሪሕነት ምስ መጻና ደኣ እሞ ስጉምትና እንታይ ክኸውን እዩ? እምብኣር ሎሚ ከም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሓታት ዘሎና መንእስያት ኣገልግልቲ ኣምላኽ ራኢና ንፈትሽ እሞ ንቕድሚት ገጽና ክንግስግስ ንወሰን ኣምላኽ ከኣ ክድግፈና እዩ።

2 comments

· 2012-07-04
God bless you Hannibal.thank you.

ብሓቂ ሃናጺ ናይ ልቦና ምኽርን ምዕዶን። ኣምላኽ ንልብና የንቅሕ ምስትውዓል ድማ ይሃበና። እ/ሂር አብዚሑ ይባርኽካ። ንበረኸት ኩን።
Other Article