ስለ ስድራቤቱ ዝዋጋእ ሰብኣይ (4ይ ክፋል)

Posted on 2015-10-13 · 1341 · 0 · 0

37 resources uploaded

ንጉስ ዳዊት ብኸምዚ ድሕሪ ምሕላፉ፣ ሓዚኑ ዕድሉ እናነቐፈ ብዝገበሮ ተጣዒሱ ኩነኔ ስዒሪዎ ኣይተቀመጠን። ኣምላኽ ከምዘይብሉ ዝተሳዕረ ህይወት ክነብር ፍቃደኛ ኣይነብረን። እ/ሔር ኣምላኹ ካልኣይ ዕድል ከም ዝህብ ይፈልጥ'ዩ። እቲ ምስ ጎልያድ ዝተዋግኣሉ ኣምላኹ፣ ሕጂውን ስርሑ ከም ዝሰርሓሉ፣ ነዚ ኣብ ቅድሚኡ ተቀጂሉ ዝነበረ ዓቢ ኸረን ከም ዘግዕዘሉ ተረደአ። እታ እንኰ ኣማራጺ ድማ ናብ ኣምላኽ ምምላስ ምኻኑ ኣስተውዓለ። ስለዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ንሽግሩ ክገጥሞ ተላዒሉ። ኣብ ፈተናን መከራን ንዘሎ ሰብኣይ፣ ዳዊት ዝኸዶ መገዲ ክኸይድ ፍቃደኛ እንተዀይኑ፣ ለውሃት ኣምላኽ ዓወት ከም ዝሕቦ፣ ህይወት ዳዊት ምስክር'ዩ። ዳዊት ዝወሰዶ ስጉምቲ እምበኣር ከምዚ ዝስዕብ 'ዩ ነይሩ፣

1. ብኣምላኹ ተብዐ፣ (1ይ ሳሙኤል 30፣6)

ዳዊት በቲ ዝገበሮ ጌጋ፣ ማለት ምስ ኣምላኽ ምምኻር ገዲፉ፣ ምስ ገዛእ ርእሱ ስለ ዝተማኸረ፣ ኣብ ልቦናኡ ስለ ዝተጸግዐ፣ ኣብ ህይወቱ ዓቢ ክሳራ ስዒቡ። ኣንስቱን ደቁን ዘለዎን ኩሉ ድማ ተማረኸ። እቶም ናብኡ ዝመጹ ሰብ ዕዳን ጭኑቃትን ኣብ ልዕሊኡ ብምትሳእ ብዳርባ እምኒ ክቀትልዎ ደለዩ። ኩሉ በንስቱን ብደቁን ስለ ዝተመረረ፣ ብሓርቆት ኣብ ልዕሊኡ ተላዕሉ። ኣብዚ ኸምዚ ኹነት፣ ዳዊት ዝገበሮ ጨነቆ። ኩሉ ኣንጻሩ ተሰሊፉ። ከም ዝረድኦምን ዕቁባ ከም ዝኰኖምን ረሲዖም፣ ክሎም ጠሊሞሞ። ኣዝማዱን የዕርኽቱን ሕቆኦም ሃብዎ። በይኑ ተሪፉ። ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣብ ዘይብልሉ'ዩ ናይ ፈተና ግዜ'ዩ እምበኣር ገጹ ናብ ኣምላኹ ዘቅንዐ። ካብ ምጉሳይ ኣባጊዕ ኣልዒሉ ናብ ጉስነት ዝጸውዖ፣ ካብ ድብን ኣምበሳን ካብ ኢድ ጎልያድን ዘናገፎ፣ ካብ ንጉስ ሳኦል ዕቁባ ዝዀኖ ኣምላኽ ክእመን፣ ናብኡ ክምለስ ዝወሰን። ቀደሙ'ውን ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ዝጠበበ መሲልዎ ደኣ እምበር፣ ብዘይ ኣምላኽ መን'ዶ ነይርዎ'ዩ? ስድራኡ ክርስዕዎ ከለው ዝዘከሮ፣ ሳኦል ብዘይ ምኽንያት ክቀትሎ ከደሊ ከሎ ዘናገፎ፣ ኣብ ጽምዋ በረኻ ኣራዊት ኣብ ዘድህይሉ ጽላል ዝዀኖ መንዶ ነይሩ'ዩ? ዳዊት እምበኣር በንስቱን ደቁን ምስ ጨነቆ፣ ተመሪሩ መሊሱ ካብ ኣምላኽ ክርሕቅ ኣይደለየን። ብኣንጻሩ ድኻሙ ተኣሚኑ፣ ልቡ ብኣምላኹ ጸኒዐ! ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕጂውን፣ "ዎ ኣምላኸይ ልበይን ክብረይን ኣንቂደን ኣለዋ፣ ክዝምርን ክውድስን'የ" ኢሉ። (መዝ108፣1) መን ክህብ ዕምቆት ናይዚ መዝሙር ክንርድኦ እንተንኽእል። ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ንኣምላኽ ከቋጽሮ ወሲኑ። ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ኣዋጣርን በዳህን ህሞት፣ ኣምላኽ ጥራይ ክረድኦ ከም ዝኽእል ተረዲኡ። እ/ሔር ፍጡን ረዳኢ ምኻኑ ኣስተውዒሉ ልቡ ናብኡ ኣቅኒዑ፣ "ብኣምላኹ ተብዐ"።

ኣዝዩ ቁልፊዝዀነ ውሳኔ'ዩ። ሰብ ልቡ ብመከራ ምስ ሰንበደ፣ ሓርቆት ንስምዒቱ ክዝውሮ ምስ ጀመረ፣ ንኣምላኹ ዝዝክር ሒደት'ዩ። ልቡ ስለ ዝተዘብሐ፣ ምዕላዉ ስለ ዝቅጽል፣ ኣቁሳሉ እናገደደ ዝኸይድ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ክንዲ ድኻሙን ስንፍናኡን ተኣሚኑ ናብ ኣምላኹ ዝቀርብ፣ ንኣምላኽ ከም ገጌኛ ቆጺሩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድፍረት ዝዛረብ ብዙሕ'ዩ። እንተ ዳዊት ግን ከምኡ ኣይገበረን። ብስንፍናኡ ኣብ ዝሰጠሞ ሰልሚ ኰይኑ ደኣ ብኣምላኹ ተብዐ። ንዝተማረኹ ኣንስትን ደቅን ንምምላስ ኸኣ ቅኑዕ ውሳኔ'ዩ ነይሩ። "ሰብ ኣብ ግዜ መከራ እንተተሓለለ፣ ዓቅሙ ሒደት'ዩ" (ምሳ24፣10) ዝብል ከቢድ ዘረባ፣ ኣብ ህይወት ዳዊት ኣይተፈጸመን። ስለዚ ኣብ ግዜ መከራ ብኣምላኹ ምትባዑ፣ ንዝኸደ ግዕዞ ከይተሓለለ ክውድኦ ኣኽኢልዎ። ከይዱ ከይደክም፣ ተጓዒዙ ከይሕለል፣ ብኣምላኹ ክተብዕ ነይርዎ። (ኢሰ40)

ብርኹስ ዝዀነ ዓለማዊ ኣካይዳ ሰበይቱን ደቁን ስለ ዝተማረኽዎ፣ ልቡ ተዘቢሑ ኣብ ምረትን ሓዘንን ዝተሸሙ ሰብኡት ኣብ ዘመና ብዙሓት'ዩም። ሰባት እናነቀፍዎን እናፈረድዎን ስለ ዝተሸገረ፣ ገጸ ሰብ ምርኣይ ዝጸልአ ታእላው የብሉን። የዕርኹቱኻን ፈተውትኻን ክርሕቁኻ ኸለዉ እንታይ ትገብር? ካብቶም ሓልዮትን ፍቅርን ክትረኽበሎም ዝግባእ፣ ተመሊሶም እሾኽ ክዀኑኻ ከለዉ ናበይ ተላግስ? ፍትሒ ተጸቢኻ ኩነኔ ምስ ዝመጸካ ናበይ ትእለ? ጓሳ ማሕበር ግድኻ ምግባር ምስ ዝኣቢ፣ የእጋርካ ናበይ የቅንዕ? ዝተጎንጎንካዮ ሻምብቆ ክዀነካ ከሎ፣ መብራህቲ ጠፊኡ ክጽልምት ከሎ፣ ብሩባ ሩባ ድነ ሞት ክትሓልፍ ከለኻ፣ የዒንትኻ ናበይ ይጥምታ? ሓዳሮም ተበላሽዩ፣ ልቦምን ልቢ ኣንስቶም ኣብ በበይኑ ኰይኑ ብናፍቆት ዘሕለለዉ፣ ምንባር ዘጽልኦም ኣይተሳእኑን። ደቆም ኣርሒቆም ስለ ዝኸዱ ኣብ መኣዶም ዝሰኣንዎም፣ ጽቡቅ ዘርኢ ዘሪኦም ክነሶም መጺጽ ፍረ ስለ ዝቐንጠቡ፣ ኰላሊቶም ዝተወግአ ኣቦታት ኣብ ዘመና ቁጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ልቦም ብኣምላኽ ተኣማሚኑ እንተጸኒዑ፣ ምርክኦም ክመልሱ ሓይሊ ክህልዎም'ዩ። ካብ ምረት ዘይወጸ ልቢ ንጸላኢ ሕነ ክፈድዮ ኣይክእልን'ዩ። እግረ እግረ ጸላኢ ስዒቡ ምርክኡ ከምልስ ሓይሊ ኣይክህልዎን'ዩ። ከምቲ የዒንቲ ገረድ ናብ እመቤታ፣ የዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጎይታኦም ዝጥምታ፣ ከምኡ ስድራቤቱ ብጸላኢ ዝተወስድዎ ሰብኣይ፣ ናብቲ ረዲኤቱ ዝዀነ ኣምላኹ ክምለስ፣ ምስኡ ብምውዓል ሓይሉ ከሕድስ ኣለዎ። ከምቲ ነህምያ ነቶም መሳርሕቱ "ሓጎስ እ/ሔር ሓይልኹም'ዩ 'ሞ ኣይትብከዩ" ዝበሎም፣ ሰብኣይ ከኣ ከም ዳዊት ብኣምላኹ ልቡ ክተብዕ መታን ተስፋ ኣምላኽ ክዝክር፣ ናብ ኣምላኹ ክምለስ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ'ዩ። ኩሉ ምስ ተገብረልካ፣ ጸሎትካ ምስ ተመለሰ፣ ጸላእትኻ ምስ ተሳዕሩ፣ ተሓጊስካ ከም ሃና ልብኻ ጸኒዑ፣ ቀርንኻ ሓፍ ኢሉ፣ ኣፍካ ናብ ጸላእትኻ ብምስጋና ሃህ ክብል ቀሊል'ዩ። (1ሳሙ2፣1) ኩሉ ዝተበላሸወ እንክመስል፣ መቅርብካ ስለ ዝረሓቁኻ በይንኻ ከይኑ ኣብ ዝተሰመዓካ ግዜ፣ ልብኻ ብኣምላኽ ተኣማሚኑ፣ ናብዝን ናብትን ከይተወስደ ክጸንዕ እንተዀይኑ፣ ምስኡ ዘለካ ቅርበትን፣ ንዕኡ ዘለካ እምንቶን ወሳኒ'ዩ።

ናብ ዳዊት እንተተመሊስና፣ ብወረ ጥራይ ናብ ዝፈልጦ ኣምላኽ ኣይጠመተን። ነቲ ጥቅሲ ኣስተውዒልና እንተነቢብናዮ፣ "ብኣምላኹ" እያ ትብል። እታ "ብ" ትብል ከኣ ዋንነት'ያ ተስምዕ። ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ጥብቆ ድማ ይገልጸልና። ንእ/ሔር "ኣምላኸይ" ክንብሎ እንተዀይኑ፣ ኣጸቢቅና ክንፈልጦን ክንጠብቆን፣ ልቡን ሓሳቡን ክምንፈልጥ ኣለና። ዳዊት ረዲኤት ምስ ደለየ ጥራይ ኣይኰነን "ኣምላኽ" ዝብል ትዝ ዝበሎ ዝነበረ። ካብ ንእስነቱ ኣጸቢቁ ዝፈልጦን ዝተለማመዶን፣ ስልጣን ኢዱ ዝረኣየ "ኣምላኹ'ዩ" ነይሩ። ንጎልያድ ክገጥሞ ኢሉ ምስ መጸ፣ ሳኦል ቆልዓ ኢኻ ኢሉ ምስ ኣቃለሎ፣ ዳዊት ግና ሓፊሩ ርእሱ ኣድኒኑ ክምለስ ዘይገበሮ፣ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ልምምድ'ዩ። ንሳኦል ድማ ዘልመደኒ ኣለዎ ብምባል ንጎልያድ ክስዕሮ ምኻኑ ኣርጊጹ ምስ ነገሮ፣ ሳኦል ዝብሎ ጠፍኦ። ዋላ'ኳ ንውግእ ዝተዓለመ እንተዘይነበረ፣ ትብዓቱን እምንቱኡን ርእዩ ንኽዋጋእ ኣፍቂድሉ። ከምዚ ዝበለ እምንቶን ምትእምማንን ኣብ ኣምላኹ ካብ ባዶ ዝብገስ ኣይነበረን። ካብ ገዝእ ርእሱ ሓንቲ ከምጽእ ከም ዘይክእል ዝተረድአ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ፣ "ንሕና ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበረት እምንቶ ኣላትና"። (2ቆሮ3) ሰብ ድኻሙ ፈሊጡ፣ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ፣ ልቡ ብኣምላኹ ጸኒዑ፣ ሰማያዊ ጉያ ክጎይይ፣ ንኣምላኹ ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ'ዩ ሃዋይራ ኣብ ግዜ መከራን ፈተናን ጸኒዑ ከምዚ ዝበለ፣ "ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ'የ"።

ንጉስ ዳዊት ዝሓልፎ ዝነበረ ፈተናን መክራን'ኳ ዓቢ እንተነበረ፣ ብእኡ ተዋሒጡ ልቡ ኣይሸፈትን። ኣብ ኣምላኹ ዓመጻ ኣይተዛረበን። ነፍሱ ሰምቢዳ፣ ኣብ ውሽጡ ኣይመኸኸትን። ብኣንጻሩ እ/ሔር ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ብምስትውዓል፣ ካበይ ከም ዘልዓሎ ስለ ዝዘከረ፣ "ብ"ኣምላኹ ተቢዑ። ኣብታ ጽንዕቲ ከተማ ከመይ ዝበለ ዘደንቅ ሳህሉ ከም ዘርኣዮ ስለ ዝዘከረ፣ ሕጂ'ውን ክረድኦ ከም ዝኽእል ስለ ዝተረድአ፣ "ልቡ ብኣምላኹ ጸኒዑ"። "እ/ሔር ምሳይ እንተዘይንበር፣ ሰባት ብህይወት ከለኹ ምወሓጡኒ፣ ማያት ብልዕሊ ነፍሰይ ምወሓዘ፣ ዕቡያት ማያት መጥሓሉኒ ነይሮም። ንምምጭእት ኣስናኖም ክኸውን ዘይወፈየኒ፣ እቲ ሰማይን ምድርን ዝገብረ ረዲኤተይ ስለዝኰኑ'ዩ" (መዝ124) ኢሉ ስለ ዝዘከረ፣ ሕጂ'ውን ኢዱ ከም ዘይደኸመት ስለ ዝተረድአ፣ ብኣምላኹ ልቡ ተቢዑ ምርኰ ንምምላስ ተላዒሉ። በገናኡ ኣብ ዕልቦ ሰቂሉ፣ ንምዝማር ኣፉ ቆሊፉ፣ ከም ሓላሚ ኣብ ተስፋ ኣልቦ ክመላለስ ዘይወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣምላኹ ህያው ምኻኑ ተረዲኡ፣ ልቡ "ብ"ኣምላኹ ስለ ዝተበዐ'ዩ።

ኣምላኽና ከም ካልኦት ኣማልኽቲ ዘይሰምዕ፣ ዘይዛረብ፣ ዘይረድእ ኣይኰነን። ንሱ ፍልይ ዝበለ'ዩ። ሰበይቱን ደቁን ብጸላኢ ዝተማረኽዎ ሰብኣይ፣ የዒንቱ ካብ ነገራት ኣልዒሉ፣ ኩነታት ዝብሎ ክሒዱ፣ ልቡ ብኣምላኽ ተቢዑ፣ ምርክኡ ንምምላስ ምእንቲ ክልዓል፣ እቲ ምስኡ ዘሎ ኣምላኽ መን ምኻኑ ክዝክር ኣለዎ። ካብቲ ምስ ጸላእቱ ዘሎ ምስኡ ዘሎ ከም ዝዓቢ ፈሊጡ፣ ንዓወት ከም ዝተጸውዐ ተረዲኡ፣ እምንትኡ ኣብ ኣምላኹ ጌሩ ክለዓል ክተብዕ ኣለዎ። እ/ሔር ኣምላኽ "ኣምላኸይ'ዩ" ክብል እንተዘይክኢሉ፣ የዒንቱ ኣልዒሉ ተስፋኡ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ክገብር ኣይክእልን'ዩ። "የሱስ ብዘይ ብኣይ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም" ዝበለና ዓሚቅ ዘረባ ተረዲእና፣ ኣእዳውና ናብኡ ከነልዕል፣ ከም ጨንፈር ምስኡ ክንጠብቅ፣ ኣብኡ ክንውከል ጻምዒትናን ምስጢር ዓወትናን እዚ'ዩ።

ስለዚ ሓወይ፣ ሰበይትኻን ደቅኻን ምስ ዝማረኹ ምርጫኻ እንታይ'ዩ? ተሰናቢድካ፣ ልብኻ ተዘቢሑ፣ በገናኻ ኣብ ዕልቦ ሰቂልካ፣ ኣብ ሓዘን ምንባር ወይስ ሓይልን ስልጣንን ኣምላኽ ተረዲእካ ልብኻ ብኣምላኽ ክተብዕ'ዩ? እዚ ኣብዛ ቀራና መገዲ እትመርጾ ምርጫ፣ ንጻላኢ ስዒርካ ዕውት ዝዀነ ናብራ ክትነብርን ከይትነብርን ወሳኒ'ዩ። ዳዊት ግና ልቡ ብኣምላኹ ስለ ዝተብዐ፣ ዝቅጽል ስጉምቲ ንምውሳድ ዓቅሚ ረኺቡ። ንሱ ድማ "ገጽ ኣምላኹ ምድላይ'ዩ"። ዳዊት ከም ኩሉ ሰብ ነፍሱ ስለ ዘይተመረረት፣ ነፍሱ ክትገይሽ ስለ ዘየፍቀደን፣ ገጽ ኣምላኹ ክደሊ ኣብ ልቡ ስፍራ ረኺቡ። ብኣምላኹ ተኣማሚኑ ስለ ዝጸንዐ፣ ልቡ ንኣምላኹ ክደሊ ደሪኽዎ። እዚ ደማ ዓቢ መንፈሳዊ ዓወት'ዩ።


0 comments
Other Article