1-2. ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሎም ሰብን ናብ ኵሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፣ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዐርፉኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከኣ ይዐርፍ።

3. ኢሮስ ዕርዳ ዐረደትብሩር ከም ሓመድወርቂ ድማ ከም ጸብሪ መገዲ ደለበት

4. እንሆ፣ እግዚኣብሄር ኪሕዛ፣ ስልጣና ኸኣ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፣ ብሓዊ ድማ ሞዅ ክትብል እያ።

5. ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፡ ጋዛውን ክትስቀ እያ፡ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቘሪጹ እዩ እሞ፡ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ እዩ፡ ኣስቃሎን ከኣ ዚነብራ ኽትስእን እያ።

6. ኣብ ኣሽዶድ ድቓላ ኺነብር እዩ፣ ኣነ ድማ ንትዕቢት ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ።

7. ደሙ ኸኣ ካብ ኣፉጽያፉ ድማ ካብ መንጎ ኣስናኑ ኸውጽኣሉ እየ፣ ንሱውን ንኣምላኽና ተረፍ ኪዀኖ፣ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከም ሓለቓ ኪኸውን እዩ፣ ዔቅሮን ድማ ከም ይቡሳዊ

8. ካብ ሰራዊት፣ ካብቲ ዚኸይድን ዚመጽእን ክከላኸለላስ፣ ኣብ ዙርያ ቤተይ ክሰፍር እየ፣ ሕጂ በዒንተይ ርእየያ እየ እሞ፣ ድሕርዚ ጨቋኒ ከቶ ኣይኪሐልፎምን እዩ።

9. ኣቲ ጓል ጽዮንኣዚኹ ተሐጐሲ፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌምእልል በሊ፣ እንሆ ንጉስኪ፣ ንሱ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ፣ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ።

10. ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬምፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከጥፍ እየ፣ ቀስቲ ውግእ ኪጠፍእ እዩ። ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብቲ ርባ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ።

11. ንኣኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ ነቶም ሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዜብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ።

12. ኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፣ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፣ ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪሎሚውን እነግረኪ አሎኹ።

13. ንርእሰይ ኢለ ንይሁዳ ኸም ቀስቲ ገተርክዎብኤፍሬም ድማ መላእክዎ። ኣቲ ጽዮንንደቅኺ፣ ኣብ ልዕሊ ደቅኺ፣ ዎ ዮናኒከተንስኦም፣ ንኣኺ ድማ ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ።

14. እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ኪርኤ እዩ፣ ፍላጻኡ ኸኣ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽውን መለኸት ኪነፍሕ፣ ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ድማ ኪኸይድ እዩ።

15. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኬዕቍቦም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኪውሕጡእምኒ ወንጭፍ ከኣ ኪረግጹ እዮም፣ ኪሰትዩብወይኒ ኸም ዝሰኸሩ ጫውጫው ኪብሉ፣ ከም ዋንጫ፣ ከም ኵርናዕ መሰውኢ ኺመልኡ እዮም።

16. ከምቲ ኣብ ምድሪ ዜንጸባርቕ ኣእማን ኣኽሊል እዮም እሞ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኼድሕኖም እዩ።

17. ሰናዩ ኽንደይ ዓብዪ፣ ጽባቔኡስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እኽሊ ነጕባዝ፣ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ነዋልድ ኬዕብዮም እዩ።