1. ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትነፍር ከላ ርኤኹ

2. ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ እርኢ አሎኹ፡ ምንዋሓ ዕስራ እመት፡ ወርዳ ድማ ዓሰርተ እመት እዩ፡ ኢለ መለስኩ

3. ንሱ ኸኣ በለኒዚሰርቕ ዘበለ ዅሉ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሓደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኺድምሰስ፣ ብሓሶት ዚምሕል ዘበለ ዅሉ ኸኣ ብመጠን እቲ ኣብቲ ሓደ ገጽ ተጽሒፉ ዘሎ ኺድምሰስ እዩ እሞ፣ እዚ እቲ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ ዚወጽእ መርገም እዩ።

4. ኣነ ኸውጽኦ እየ፣ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን ናብ ቤት እቲ ብስመይ ሐስዩ ዚምሕልን ኪአቱ እዩ፣ ኣብ ማእከል ቤት ኺነብር፣ ምስናይ ዕጨይታን እምናን ከኣ ኬጥፍኣ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

5. እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ወጸኣዒንትካ ኣልዕል እሞ እዚ ዚወጽእ ዘሎ እንታይ ከም ዝዀነ ርኤበለኒ

6. ኣነ ከኣ፣ እዚ እንታይ እዩ፡ በልኩ ንሱ ድማ እቲ ዚወጽእ ኤፋ እዩ፣ በለ። ኣብ ኵላ ምድሪ እዚ እዩ መልክዖም፣ ከኣ በለ።

7. እንሆ ድማ፣ ሓደ መክሊት ዓረር ኣልዐሉ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኤፋውን ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።

8. ንሱ ኸኣ፣ እዚኣ ረሲእነት እያ፣ በለ፣ ናብ ማእከል እቲ ኤፋ ድማ ደርበያ፣ ነቲ መክሊት ዓረርውን ናብ ኣፍ እቲ ኤፋ ደርበዮ

9. ኣዒንተይ ኣሎአልኩ ርኤኹውን፣ እንሆ ድማ፣ ክልተ ኣንስቲ ወጻ፣ ኣብ ኣኽናፈን ከኣ ንፋስ ነበረ፣ ከም ኣኽናፍ ራዛ ዚመስል ኣኽናፍ ከኣ ነበረን፣ ንሳተን ነቲ ኤፋ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ኣልዐላኦ

10. ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ ነዚ ኤፋ ናበይ እየን ዚወስዳኦ ዘለዋ፧ በልክዎ

11. ንሱ ኸኣ፡ ቤት ኪሰርሓሉስ ኣብ ሃገር ሲንኣር እየን፡ ምስ ተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኺነብር እዩ፡ በለኒ