1. ከም ብሓድሽ ከኣ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣርባዕተ ሰረገላ ኻብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኪወጻ ኸለዋ ርኤኹ፡ እቲ ኣኽራንውን ኣኽራን ኣስራዚ ነበረ።

2. ኣብታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ሓመራት ኣፍራስ፣ ኣብታ ኻልኣይቲ ሰረገላ ኸኣ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።

3. ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምባላያት ኣፍራስ፣ ኣብታ ራቦአይቲ ሰረገላ ድማ ጫጎታት ብርቱዓት ኣፍራስ ነበሩ።

4. ኣነ ኸኣ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም፧ ኢለ መለስኩሉ

5. እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፣ እዚኣቶም እቶም ኣብ ቅድሚ ዅላ ምድሪ ቘይሞም ዚወጹ ርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም፣

6. እታ መጋላት ኣፍራስ ዘለውዋ ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢላ ትወጽእ፣ እቶም ኣምባሌታት ኣፍራስ ከኣ ደድሕሪኦም ይወጹ፣ እቶም ጭጕታት ኣፍራስ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢልሎም ይወጹ

7. እቶም ሓመራት ከኣ ወጹንምድሪ ኺመላለስዋ ድማ ደለዩ። ንሱውን፣ ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋበለ። ንስቶም ከኣ ንምድሪ ተመላለስዋ።

8. ሽዑ ንሱ ጸውዓኒ እሞ፣ እንሆ፣ ናብ ሃገር ሰሜን ኣቢሎም ዝወጹ፣ ኣብ ሃገር ሰሜን መንፈሰይ ኣህድኡኢሉ ተዛረበኒ

9. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

10. ካብቶም ምሩኻት ካብ ሔልዳይ፡ ካብ ጦብያ፡ ካብ የዳዕያ ውሰድ፡ ናብታ ንሳቶም ካብ ባቢሎን መጺኦም ዝአተውዋ ቤት ዮስያስ ወዲ ጽፎንያስ ሎሚ እቶ

11. ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ኣኽሊላት ስራሕ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ሊቀ ኻህናት እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ ድማ ድፍኣሉ

12. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ተዛረቦ፣ እቲ ጨንፈር ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ፣ ንሱ ኻብ ቦታኡ ኺጭንፍርመቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኪሀንጽ እዩ።

13. ንሱ መቕደስ እግዚኣብሄር ኪሀንጽክብሪ ኸኣ ኪጸውር፣ ኣብ ዝፋኑ ድማ ኪቕመጥን ኪገዝእን እዩ፣ ኣብ ዝፋኑ ኻህን ኪኸውን፣ ኣብ መንጎ ኽልቲኦምውን ምኽሪ ሰላም ኪኸውን እዩ።

14. እቲ ኣኽሊላት ከኣ ንሄላምን ንጦብያን ንየዳዕያን ንሄን ውዲ ጸፎንያስን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ኪዀኖም እዩ።

15. እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኺመጹ፡ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከኣ ኪሰርሑ እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ደሀይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ሰማዕክም፡ እዚ ኪኸውን እዩ።