1. እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ተመሊሱ፣ ከምቲ ሰብ ካብ ድቃሱ ዚበራበርኣበራበረኒ

2. እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ ድማ በለኒ። ኣነ ኸኣ በልኩ፡ እንሆ፡ ሓደ ቐዋሚ ቐንዴል ኵለንትናኡ ወርቂ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ እንዳ ዘይቱን ኣብኡውን ሾብዓተ መብራህቱ ንዘለዎ እርኢ አሎኹ። ነተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከኣ ሾብዓተ ሻምብቆ ኣለወን።

3. ኣብ ጥቓኡ ድማ ክልተ ኣውልዕ ኣለዋ፣ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፣ እታ ሓንቲውን ኣብ ጸጋሙ እየን።

4. ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፣ ጐይታየ፣ እዚኣተንሲ እንታይ እየን፡ ኢለ መለስኩሉ

5. እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ፡ ጐይታየ፡ ኣይፋለይ፡ በልኩ

6-7. ሽዑ ንሱ መለሱ፡ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፡ ብመንፈሰይ እምበር፡ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐያት ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን፡ መን ኢኻ፧ ኣብ ቅድም ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ ጸጋ፡ ንእኡ፡ እናተባህለ ኺጭድር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፡ ኢሉ ነገረኒ

8. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣

9. ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣእዳው ዘሩባቤል ሰረታኦኣእዳዉ ኸኣ ኪፍጽምኣ እየን። ንስኻ ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጥ ኢኻ።

10. ንመዓልቲ ናእሽቱ ነበር ዚንዕቕ መን እዩ፡ እዘን ሾብዓተ ንዅላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ ተሐጒሰን ኪርእያኦ እየን።

11. ኣነ ኸኣ፡ እዘን ብየማን እዚ ቐዋሚ ዘለዋ ኽልተ ኣውሊዕሲ እንታይ እየን፧ ኢለ መለስኩሉ

12. ካልኣይ ጊዜውን፣ እዞም ኣብ ጥቓ እቲ ወርቂ ዚውሕዞ መውሓዝ ወርቂ ዘለዉ ኽልተ ጭንፈር ኣውሊዕከ እንታይ እዮም፧ ኢለ መለስኩሉ

13. ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታየ፡ ኣይፋለይ፡ በልኩ

14. ሽዑ ንሱ፡ እዚኣቶምሲ እቶም ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዚቘሙ ደቂ ዘይቲ እዮም፡ በለ