1. ኣታ ሊባኖስደጌታትካ ኽፈት፣ ነእዋምካ ኸኣ ሓዊ ይብልዓዮ

2. ኣታ ጽሕዲ፣ ኦም ሊባኖስ ወዲቑ፣ እቶም ክቡራት በሪሶም እዮም እሞ፣ ዋይዋይ በል። ኣቱም ኣውሒ ባሳን፣ እቲ ብርቱዕ ዱር ተቘሪጹ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ።

3. ክበረቶም በሪሱ እዩ እሞ፣ ድምጺ ዋይዋይታ ጓሶት ይስማዕ፣ ትዕቢት ዮርዳኖስ በሪሱ እዩ እሞ፣ ድምጺ ምጕዛም ሽደናት ኣናብስ ይስማዕ።

4. እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ይብል አሎ፣ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ ጓስየን

5. እቶም ተሻየጥተን ይሐርድወን፣ ንርእሶም በደልቲ ኸም ዝዀኑ ኸኣ ኣይትቈጽርን። እቶም ሸየጥተን ድማ፣ ኣነስ ሃብቲመ እግዚኣብሄር ይመስገንይብሉጓሶተንውን ከቶ ኣይንሕፍወንን

6. እምብኣርሲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብር ድሕርዚ ኣይክንሕፎምን እየ፣ ኤረ ኣነስ እንሆ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጽዩን ኣብ ኢድ ንጉሱን ክውፍዮ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነታ ሃገር ኪሰባብርዋ እዮም፣ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር

7. ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ፣ እወ፣ ነተን መሳኺን እታ መጓሰ ኣባጊዕ፣ ጓሴኽወንክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፣ ነታ ሓንቲ ጸጋ፣ ነታ ኣንቲ ኸኣ ስምረት ኢለ ሰሜኽወን፣ ነተን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን።

8. ነቶም ሰለስተ ጓሶት ብሓንቲ ወርሒ ኣጥፋእክዎምነፍሰይ ብኣታቶም ጸበባ፡ ነፍሶምውን ጸልኣትኒ

9. ኣነ ኸኣ፣ ኣይክጓስዮምን እየ፣ እታ እትመውት ትሙት፣ እታ እትጠፍእ ትጥፋእ፣ እተን ዝተርፋ ድማ ስጋ ሓድሕደን ይበላልዓበልኩ

10. ነቲ ምስ ኵሎም ህዝብታት ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ከፍርስሲ፣ ነታ ጸጋ ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ

11. በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ፣ በዚውን እተን ናባይ ዜስተብህላ ዝነበራ ድኻታት እታ መጓሰ ቓል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጣ

12. ኣነ ድማ፣ ነዒንትኹም ባህ እንተ ኣበለኩምሲ፣ ዋጋይ ሀቡኒ፣ እንተ ዘይኰነስ ሕደግዎበልክዎም። ንሳቶም ንዋጋይ ሰላሳ ብሩር መዘኑ

13. እህግዚኣብሄር ከኣ፣ ነቲ ዝገመቱለይ ክቡር ገምጋም ናብ ሰራሕ መሬት ደርብዮበለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሰ ብሩር ወሲደ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ናብቲ ሰራሕ መሬት ደርቤኽዎ

14. ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ከፍርስ፣ ነታ ስምረት ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ

15. እግዚኣብሄር ከኣ፣ ነቲ ኣቓሑ ዓሻ ጓሳውን ንኣኻ ውሰዶበለኒ

16. ስለዚ እንሆ፣ ስጋ ስቡሓት ዚበልዕሸዀናኡ ኸኣ ዚምንጭት እምበር፣ ነተን ዝጠፍኣ ግዲ ዘይገብረለን፣ ፋሕ ንዝበላ ድማ ዘይደልየንንዝተሰብራ ኸኣ ዘይፍውስ፣ ንጥዑያትውን ዘይቅልብ ጓሳ ኣብታ ሃገር ከተንስእ እየ።

17. እቲ ኣባጊዑ ዚፍኑ ዘይጠቅም ጓሳ ወይለኡሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልጽሙን ኣብ ልዕሊ የማነይቲ ዓይኑን ይኹን፣ ቅልጽም ብጥራስ ኪነቅጽየማነይቲ ዓይኑ ኸኣ ብዘላ ኽትጽልምት እያ።