1. በታ መዕልቲ እቲኣ ንቤት ዳዊትን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነሩን ንሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዔላ ማይ ክትክፈተሎም እያ።

2. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ በታ መዕልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ንስም ጣኦታት ካብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ፣ ድሕርዚ ድማ ኣይኪዝከርን እዩ። ነቶም ነብያትን ነቲ ርኹስ መንፈስን ከኣ ካብታ ሃገር ከልቅቖም እየ።

3. ኪኸውን ድማ እዩ፣ ገለ ሰብ ገና እንተ ትነበየ፣ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፣ ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሶት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፣ ብህይወት ኣይትነብርንኪብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡንውን ኪንበ ኸሎ ኺወግእዎ እዮም።

4. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለዉ፣ ብራእዮም ኪሐንኩ እዮም፣ ንምሕሳው ከኣ ጨጓር ሊባኖስ ኣይኪለብሱን እዮም።

5. ግናኸ፣ ሰብ ካብ ንእስነተይ ገዚኡኒ እዩ እሞ፣ ሓረስታይ እየ እምበር፣ ነብዪ ኣይኰንኩን፣ ኪብል እዩ።

6. ንእኡ ኸኣ፣ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ እንታይ እዩ፡ እንተ በልዎ፣ ንሱ ድማ፣ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዜፍቅሩኒ እተወጋእክዎ እዩ፣ ኪብል እዩ።

7. ሰይፊ፣ ኣንጻር ጓሳኡን ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝዀነ ሰብን ተንስእ፣ ነቲ ጓሳ ውቖኣዮ፣ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ኪብላ እየን፣ ኢደይ ድማ ኣንጻር እቶም ናእሽቱ ኽመልስ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

8. ኣብ ኵል፣ እታ ሃገር ድማ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ እቶም ክልተ ኢድ ኣብኣ ኪቝረጹን ኪሞቱን እዮም፣ እቲ ሲሶ ግና ኺተርፍ እዩ።

9. ኣነ ኸኣ ነቶም ሲሶ ናብ ሓዊ ኸእትዎምብሩር ከም ዚዅላዕ ክዅልዖምወርቂ ኸም ዚፍተን ክፍትኖም እየ። ስመይ ክጽውዑ እዮም፣ ኣንውን ክሰምዖም እየ። ህዝበይ እዩ፣ ክብል እየ። ንሱውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እዩ፣ ኪብል እዩ።