1. እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከአ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ኣብ ዘላ ገፋሕ ቦታ ተአከቡ። ንእዝራ እቲ ጸሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝአዘዞ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኼምጽአሎም ተዛረብዎ

2. ብሳብዐይቲ ወርሒብቐዳመይቲ መዓልቲ ኸኣ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ኪሰምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኵላቶምን ነቲ ሕጊ ኣምጽኦ

3. ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ኸኣ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ዀይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን ኬስተውዕሉ ዚኽእሉ ዅላቶምን ኮይኑ ኣንበቦኣእዛን ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ንመጽሓፍ ሕጊ ኺሰምዕ ጽን ይብል ነበረ።

4. እዝራ እቲ አሓፊ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ነዚ ነገር እተሰርሔ ጸፍጻፍ ዕጨይቲ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ ብየማኑ ድማ ማቲትየን ሸማዕን ዓናያን ኡርያን ሒልቂያን ማዓሰያንኣብ ጸጋሙ ኸኣ ጰዳያን ሚሻኤልን ማልኪያን ሓሹምን ሓሽባዳናን ዘካርያን መሹላምን ደው ኢሎም ነበሩ።

5. እዝራ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ህዝቢ ዀይኑ ነበረ እሞኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነቲ መጽሓፍ ገንጸሎምስ ገንጸሎ ኸኣኵሉ እቲ ህዝቢ ደው በለ

6. እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾኲሎም ህዝቢ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎምኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።

7. ድማ እያሱን ባኒን ሸረብያን ያሚንዓቁብሻብታይሖዲያማዓሰያቀሊጣዓዛርያዮዛባድሓናንጵላያሌዋውያን ነቲ ህዝቢ ሕጊ ይምህርዎ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቦታኦም ደዊ ኢሎም ነበሩ።

8. ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበበሎም፡ እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማገለጸሎም

9. ኩሎም እቶም ህዝቢ ቓል ሕጊ ኺሰምዑ ኸለውይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ ነህምያ እቲ ትርሻታን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍንእቶም ህዝቢ ዜስተምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሉ እቲ ህብዚ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን በልዎም

10. ንሱ ኸኣ ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑዝጠዐመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም ዜብሎም ከአ ግዲኦም ስደድሎምእዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጉሀዩበሎም

11. እቶም ሌዋውያን ከአ ንኹሎም እቶም ህዝቢእዛ መዓልቲ እዚኣ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ስቕ በሉኣይትጉሀዩኢሎም ኣህድእዎም

12. ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞኪበልዑን ኪሰትዩን ግዴታን ከአ ኪሰዱን ዓብዩ ሓጎስን ኪሕጐሱ ኸዱ

13. እታ ኻልአይቲ መዓልቲ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ዅሉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ቃላት እቲ ሕጊ ኺምርምሩ ናብ እዝራ ጸሓፊ ተአከቡ

14-15. ብበዓል እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኸኣ ደቂ እስራኤል ኣብ ዳስ ኪቕመጡናብ ኩለን ከተማታቶምን ናብ ዮርሳሌምን ከአ፡ ናብ ከረን ውጹ እሞከምቲ ጽሑፍ ዝበሎንምስራሕ ዳስ ጨናፍር ኣውልዕ ዘይትን ጨናፍር ኦም ኣውልዕ መሮርን ጨናፍር ጸጾን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን ኣምጽኡ ኢሎም ኬስምዑን ኬእውጅይንእግዚእብሄር ብሙሴ ኸም ዝአዘዞምኣብቲ ሕጊ ተጽሒፉ ረኸቡ

16. ሽዑ እቶም ህዝቢ መጺኦም ኣምጽኡነፍስ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ መካበብያቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ኤፍሬምን ዳስ ሰርሑ።

17. ብዘላ እታ ማሕበር ናይቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ዅላቶም ከአ ዳስ ሰሪሖምኣብ ዳስ ተቐመጡደቂ እስራኤልሲ ካብ ዘመን እያሱ ወዲ ነዌ ጀኢሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኣይገበሩን እሞኣዝዩ ዓብዩ ሓጐስ ኮነ።

18. ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ድማ መመዓልቲ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ኣንበቦሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዐሉ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ከምቲ ሕጊ ቅዱስ ኣኼባ ኾነ