1. ኮነ ኸኣ፡ እቲ መከባብያ ምስ ተነድቀመዓጹ ኣቖምኩሉሐለውቲ ደገን ዘመርትን ሌዋውያንን ድማ ኣብ ዔዕዮኦም ተመዘዙ

2. ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ኣብ ግምቢ ሓለቓ ዝነበረን፡ ንሱ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለጸ እሙንን ፈራህ ኣምላኽን ነበረ እሞ፡ ኣሕሉቕ ዮርሳሌም ገበርክዎም።

3. ንኣታቶም ድማ፡ ጸሓይ ክሳዕ ዚመሙቕ፡ ደጌታት ዮርሳሌም ኣይርሖ፡ እቲ ደጌታት ከአ ገና እቶም ሐለውቲ ደው ኢሎም ከለውኪዕጾን ኪሽጎርንነቶም ህዝቢ ዮርሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብታራኡነፍሲ ወከፍ ከአ ቀቅድሚ ቤቱ ይሐሉበልክዎም

4. እታ ኸተማ ኸኣ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ማኣከላ ዚነብሩ ዝህዝቢ ግና ሒዶት ነበሩእተን ኣባይቲ ድማ ኣይተሰርሓን ነበራ

5. ነቶም ከበርተን ንሹማምትን ንህዝብን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ኺጸሓፉክእክቦም ድማ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ሀበኒ። ናይቶም ቅድም ዝደየቡ ኸኣ እቲ መጽሓፍ ወለዶታት ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸኣ ከምዚ ዚብል ጽሑፍ ረኸብኩ

6. እቶም ደቂ ሃገር ነቡክነጸር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ እሞካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳንነፍስ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ፡ እዚኣቶም እዮም፡

7. እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹእያሱነህምያዓዛርያራዓምያናሓማኒሞርዶካይቢልሻንሚስጵረትቢግዋይነሑምባዓናቁጽሪ ሰብ ህዝቢ እስራኤል እዚ እዩ፡

8. ደቂ ፋርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን

9. ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን

10. ደቂ ኣራሕ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተ

11. ደቂ ፋሓት-ሞኣብ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን

12. ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን

13. ደቂ ዛቱ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን

14. ደቂ ዛካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን

15. ደቂ ቢኑኢ ሹድሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን

16. ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን

17. ደቂ ዓዝጋድ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን

18. ደቂ ኣዶኒቃም ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሾብዓተን

19. ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ስሳን ሾብዓተን

20. ደቂ ዓዲን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን

21. ደቂ ኣጤር፡ ካብ ዓሌት ህዝቅያስተስዓን ሾሞንተን

22. ደቂ ሓሹም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተ

23. ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን

24. ደቂ ሓሪፍ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን

25. ደቂ ጊብዖን ተስዓን ሓሙሽተን

26. ሰብ ቤት-ልሄምን ነጦፋን ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን

27. ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን

28. ሰብ ቤት-ዓዝማዌት ኣርብዓን ክልተን

29. ሰብ ቂርያት-ይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን

30. ሰብ ራማህን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን

31. ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ክልተን

32. ሰብ ቤት-ኤልን ዓይን ሚእትን ዕስራን ሰለሰተን

33. ደቂ ኻልአይቲ ኔቦ ሓምሳን ክልተን

34. ደቂ ኻልኣይቲ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን

35. ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን

36. ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን

37. ደቂ ሎድን ሓዲድን ኣኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን

38. ደቂ ሰናእህ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን

39. ካህናት ድማደቂ የዳዕያ ኻብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን

40. ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን

41. ደቂ ፈሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን

42. ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን

43. ሌዋውያንደቂ እያሱካብ ቃድሚኤልካብ ደቂ ሆዴዋሰብዓን ኣርባዕተን

44. ዘመርቲደቂ ኣሳፍ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን

45. ሓለውቲ ደገደቂ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደኢቅ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቁብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ ሚእትን ሰላሳን ሾሞንተን

46. ነቲኒምደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት

47. ደቂ ቂሮስ፡ ደቂ ሲዓ፡ ደቂ ፋዶን

48. ደቂ ሊባናደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ሻልማይ

49. ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር

50. ደቂ ረአያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ

51. ደቂ ጋዛም፡ ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ

52. ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሽሲም

53. ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር

54. ደቂ ባጽሊት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ

55. ድቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ

56. ደቂ ነጺሓ፡ ደቂ ሓጢፋ

57. ደቂ ገላው ሰሎሙን፡ ደቂ ሰጣይ፡ ደቂ ሶፌሬት፡ ደቂ ጰሪዳ

58. ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል

59. ደቂ ሽፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ፎክሬት-ሓጸባይም፡ ደቂ ኣሞን

60. ኵላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።

61. እቶም ካብ ቴል-መላሕን ካብ ቴል-ሓርሻን ካብ ክሩብ - ኣዶንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ ድማ እዚኣቶም እዮም። ግናኸ ንሳቶም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ካብ እስራኤል ምዃኖም ኬፍልጡ ኣይከአሉን

62. ደቂ ደለያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን

63. ካብ ካህናት ከአደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ ባርዚለይእቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚለይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ እሞ ብስሞም እተሰምየ እዩ

64. እዚኣቶም መጽሓፍ ወለዶኦም ደለዩግናኸ ኣይተረኸበንስለዚ ኻብ ክህነት ተኸልከሉ።

65. እቲ ቲርሻታ ከአ ብኡሪምን ቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚሽየም፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑበሎም

66. ኵሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ።

67. ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ እዚኣቶም ሾብዓተ ሽሕን ስለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን እዮም። ዚዝምሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም።

68. ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሹዱሽተንኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን

69. ኣግማል ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተንኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበርዎም።

70. ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቲ ዕዮ ህያብ ሀቡእቲ ቲርሻታ ነቲ መዝገብ ሽሕ ዳሪክ ወርቂሓምሳ ጽዋእሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ክዳን ካህናት ሀበ

71. ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዕስራ ሽሕ ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ታለንት ብሩርን ሀቡ

72. እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ዝወፈይዎ ኸኣ ዕስራ ሽሕን ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ስሳን ሾብዓተን ክዳን ካህናትን እዩ።

73. ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን ገሊኡ ኻብቲ ህዝብን ነቲኒምን ኵላቶም እስራኤልን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ በጽሔት ድማ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኦም ነበሩ።