1. ኮነ ኸኣ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ገሽም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ጸላእትናን ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕክዎካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ኸኣ ገለ ኸም ዘይተረፈ ምስ ሰምዑ፡- ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ግና መዓጹ ኣብቲ ደጊታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ

2. ሳንባላጥን ገሸምን ከአ፡ ንሳቶም ክፉእ ኪገብሩኒ ሓሲቦም ነበሩ እሞ፡ ንዓኣብ ጎልጎል ኦኖ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ንራኸብኢሎም ለአኹለይ

3. ኣነ ድማ፡ ኣነስ ዓብዩ ዕዩ እዐዩ አሎኹ እሞ ክወርድ ኣይከአለንንሰልምንታይ፡ ነቲ ዕዮ ሓዲገ ናባኻትኩም እንተ ወረድኩ፡ ንሱ ኺበኩር እዩ፡ ኢለ ለአኽኩሎም

4. እዚ ነገር እዚ ድማ ኣርባዕተ ሳዕ ለአኹለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ከምዛ ዘረባ እዚኣ ገይረ መለስኩሎም

5. ሽዑ ሳንባላጥ ከምዛ ነገር እዚኣ ኽፍትቲ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ፡ ሓምሳይ ጊዜ ጊልያኡ ለአኸለይ

6. ኣብኣ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ ነበረ፡ ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ አሎ፡ ጋሽሙ ኸኣ ይብሎ አሎምእንቲ እዚ ድማ መከባብያ ትሰርሕ ከም ዘሎኻ፡ ንስኻ ንጉሶም ክትከውን ከም ዝደሌኻውንይብሀል አሎ።

7. ድማ ኣብ ዮርሳሌም ብዛዕባኻ፡ ኣብ ይሁዳ ንጉስ አሎኢሎም ዚእውጁ ነብያት ኣቘምካ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ ንጉስ ኪስማዕ እዩ እሞ፡ ሕጂ ንዓብሓንሳእ ኴንና ንማኻኸር

8. ሽዑ ኣነ፡ ካብ ልብኻ ዘንቃሕካዮ እዩ እምበር፡ እዚ ንገር እዚ ኸምዚ ንስኻ እትዛረቦ ኣይኮነንኢለ ለአኽኩሉ

9. ከመይሲ እቲ ዕዮ ከይዕየ ኣእዳዎም ኪድኽማ እየን እሞ፡ ነቲ ዕዮ ኺሐድግዎ እዮም፡ እናበሉ ዅላቶም ኬስምብዱና ደልዮም እዮም። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣእዳወይ ኣጽንዕ።

10. ኣነ ኸኣ ናብ ቤት ሻማዕያወዲ ደለያ ወዲ መሄጣብኤኣቶኹ። ንሱ ድማ ተዓጽዩ ነበረ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ውሽጢ መቕደስ ብሓደ ንራኸብኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም፡ እወ፡ ብለይቲ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ደገ ቤት መቕደስ ንዕጸዎ፡ በለኒ

11. ኣነ ኸኣ ከማይ ዝበለ ሰብኣይዶ ይሀድም፡ ከማይ ዝበለስ ምእንቲ ኺድሕን ኢሉ፡ ናብ መቕደስ ዚአቱ መን እዩኣነስ ኣይአቱንበልኩ

12-13. ጦብያን ሳንባላጥን ደኣ ንሱ ኼፍርሃኒ እሞ ፈርሄ ሓጢኣት ክገብርንንኣይ ክፉእ ኬውርዩለይን ኬላግጹለይን ኢሎም ዋጋ ሂቦምዎብገንዘብ ሐቢሎምዎይንበየለይ አሎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ ኣስተውዐልኩ

14. ዎ ኣምላኸይንጦብያን ንሳንባላጥን ንኖኣድያ ነብዩትን ነቶም ዝተረፉ ዚፋራርሁኒ ነብያትን ብዛዕባ እዚ ግብሮም እዚ ዘክሮም

15. እቲ መካባብያ ኻብ ወርሒ ኤሉል በመበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲተፈጸመ

16. ኮነ ኸኣ፡ ኲሎም ጸላእትና ምስ ሰምዕዎኣብ ዙርያና ዚነብሩ ኹሎም ህዝብታት ፈርሁእዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም እተፈጸመ ፈለጡ እሞ፡ ኣብ ኣዒንቶም ሕሊናኦም ዐረቦም።

17. በተን መዓልትታት እቲኤን እቶም ከበርተ ይሁዳ ብዙሕ ደብዳቤታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፡ ካብ ጦብያ ድማ ናባታቶም ይመጽእ ነበረ።

18. ከመይሲ ጦብያ ምስ ሸካንያ ወዲ ኣራህ ሕምነት ነበሮ፡ ዮሓናን ወዱ ኸኣ ጓል መሹላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ኾይኖም ተማሓሒሎም ነበሩ።

19. ብሕያውነቱ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩዘረባይ ከአ ይነግርዎ ነበሩ። ጦብያ ድማ ኬፈራርሃኒ ኢሉ፡ ደብዳቤታት ሰደደ