1. እቶም ዚሐትሙ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነህምያ፡ እቲ ቲርሻታ ወዲ ሓካልያን ጺድቂያን

2. ሰራያዓዛርያኤርምያ

3. ጳሽሑርኣምርያ ማልኪያ

4. ሓጡሽሸባንያማሉክ

5. ሓሪምመሬሞትዖባድያ

6. ዳኒኤልጊንቶንባሩክ

7. መሹላምኣቢያሚያሚን

8. መዓዝያቢልጋይሸማዕያእዚኣቶም ካህናት እዮም

9. ሌዋውያን ከአእያሱ ወዲ ኣዛንያ ቢኑይ ካብ ደቂ ሔናዳድቃድሚኤል

10. ኣሕዋቶም ድማ ሸባንያሆድያቀሊጣጰላያሓናን

11. ሚካሬሖብሓሽብያ

12. ዛኩርሸረብያሸባንያ

13. ሆዲያባኒበኒኑ

14. ሓላቑ እቲ ህዝቢ፡ ጳርዖሽጳሓት-ሞኣብዔላምዘቱባኒ

15. ቡኒዓዝጋድቤባይ

16. ኣዶንያቢግዋይ ዓዲን

17. ኣጤርሕዝቂያዓዙር

18. ሆዲያሓሹምቤጻይ

19. ሓሪፍዓናቶትኔባይ

20. ማግጲዓሽመሹላምሔዚር

21. መሸዛብኤልጻዶቅያዱዓ

22. ጳላጥያሓናንዓናያ

23. ሆሺዓሓናንያሓሹብ

24. ሃሎሔሽጺልሓሸቤቅ

25. ሬሑምሓሻብናማዓሰያ

26. ድማ ኣሒያሓናንዓናን

27. ማሉክ ሓሪም ባዓና

28. እቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሐለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ዅላቶምንኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኲሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም

29-30. እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኵሉ ኽሕልውን ኪገብርዎንንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብነወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ

31. እቶም ህዝብታት እታ ሃገር በብዓይነቱ ሸቕጥን እኽልን፡ ብመዓልቲ ሰነብት ኪሸጥዎ ኢሎም ዘምጽእዎ፡ በመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካባታቶም ኣይንሻየጥ በብሳብዐይቲ ዓመት ከአ እታ ምድሪ ትዕረፍ ንሕደጋ፡ ነቶም ሰብ ዕዳውን ንሕደገሎም፡ በልናል

32-33. ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽናንእንጌራ ምርኣይን ነቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ስናብትን ናይ ስርቂ ወርሕን ናይ ምዱባት በዓልትን ናይ ቅዱስ ነገርን ንመተዓረቒ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ንዅሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን በብዓመት ሲሶ ሚትቃል ክንህብ፡ ኣብ ርእስና ትእዛዝ ጸዐንና

34. ብዛዕባ እቲ ምውፋይ ዕጨይቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺነድድሲ፡ በብማይ ቤት ኣቦታትና ዓመት ንዓመት በብእዋኑ ንቤት ኣምላኽና ዕጨይቲ ንምምጻእ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ንህዝብን ዕጭ ኣውደቕናሎም።

35. በኹራት ፍረ ምድርናን በኹራት ኵሉ ፍረ ናይ ኵሉ ዓይነት ኣግራብናን በብ ዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከነምጽእ

36. ከምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ፡ በኹሪ ደቅናን እንስሳናን በኹሪ ኣሓናን ኣባጊዕናን ናብቶም ንቤት ኣምላኽና ዜገልግሉ ካህናት፡ ናብ ቤት ኣምላኽና ነምጽእ

37. ቀዳማይ ብሑቕናን ዚለዐል ሞባእናን ፍረ ዅሉ ዓይነት ኣግራብን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ንኻህናት ናብ ክፍልታት ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ናይ ምድርና ዕሽር ከአ ንሌዋውያን ነምጽእ፡ ንሳቶም፡ እቶም ሌዋውያን፡ ካብ ኵሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዕሽር ይውሰዱ

38. ሌዋውያን ዕሽር ኪወስዱ ኸለው ድማ፡ ብሓደ ኻህን ወዲ ኣሮንምስቶም ሌዋውያን ይኹንእቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዕሽር ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቲ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ የእትው።

39. እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከአ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዚልዐል መስዋእቲ ናብቲ ኽፍልታት እዮም ዜምጽእዎ፡ ኣብኡ ኸኣ እቲ ኣቓሑ መቕደስን እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን እዮም ዘለዉ። እምበአርሲ ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንሕደግ