1. ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ከአ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስኤ፡ ነቲ ደገ ኣባጊዕ ነደቕዎ ቀደስዎ ኸኣ፡ መዓጹኡውን ኣቁሙሉክሳዕ ግምቢ ሜኣህ፡ ክሳዕ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ቀደስዎ።

2. ሰብ ያሪኮ ኸኣ ኣልጊቦም ነደቑዛኩር ወዲ ኢምሪውን ኣልጊቡ ነደቐ

3. ደቂ ሰናኣ ድማ ደገ ዓሳ ነደቑልዳት ኣጋጠሙሉ መዓጹኡ ኸኣ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ድማ ገበሩሉ።

4. መሬሞት፡ ወኢ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ከአ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየመሹላም ወዲ በረክያ፡ ወዲ መሻዛብኤል ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ። ጻዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኣልጊቡ ኣዐረየ።

5. ተቆዓውያን ከአ ኣልጊቦም ኣዐረዩ። እቶም ክቡራቶም ግና ክሳዶም ናብቲ ዕዮ ጎይትኦም ኣየበሉን

6. ዮያዳ ወዲ ጳሴሓን መሹላም ወዲ ቦሳድያን ከአ ነቲ ኣረጊት ደገ ኣዐረይዎልዳውቲ ኣጋጠሙሉመዓጹኡ ድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ።

7. ምሳታቶም ድማ መላጥያ እቲ ጊብዖናውን ያዶን እቲ መሮኖታውን እቶም ሰብ ጊብዖንን ሚጽጳን ንመንበር መስፍን ክንየው ርባ ዚግዝኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ

8. ዑዚኤል ወዲ ሓርሃያኣንጠረኛታት ወርቂ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ። ቡዙኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ኣንጠረኛታት ወርቂ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ሃናንያ ኻብቶም ገብርቲ ሽቱ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየንዮርሳሌም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ትኹን ሓደግዋ

9. ረፋያ ወዲ ሁር፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ዮርሳሌም ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ጸገነ

10. የዳያ ወዲ ሓሪማፍ ከኣ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየሓጡሽ ወዲ ሓሻብኒያ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ።

11. ማልኪያ ወዲ ሓሪምን ሓሹብ ወዲ ጳሓት-ሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግምቢ እቶንን ኣዐረዩ

12. ሻሎም ወዲ ሃሎሔሽሹም ፍርቂ ግዝኣት የሩሳሌምንሱን ኣዋልዱን ከአ ምስኡ ኣልጊቦም ኣዐረዩ

13. ሓኑንን ኣብ ዛኖኣሕ ዚነብሩን ንደገ እቲ ለሰ ኣዐረይዎንሳቶም ንደቕዎመዓጺኡ ድድማ ኣቖሙሉመርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ። ናይቲ መካባብያ ኸኣ ክሳዕ ደገ እቶ ጎዱፍ ሽሕ እመት ሰርሑ።

14. ማልክያ ወሲ ሬካብሓላቓ ግዝኣት ቤት ሃካሬም ከአ ንደገ ጎዱፍ ኣዐየንሱ ነደቖ መዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበሩሉ

15. ሻሉን ወዲ ኮል-ሖዜሐለቓ ግዝኣት ሚጽጳ ድማ ንደገ ዔላ ኣዐረዮንሱ ነደቖ ኸደኖ ኸኣ፡ ንመዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከአ ገበረሉ፡ ድማ መንደቕ እቲ ምስቲ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ሓጽቢ ሽላሕ፡ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዜውርድ መሳልል ሰርሔ።

16. ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅሐለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቤት-ጹርክሳዕ መንጽር መቓብራት ዳዊትን ክሳዕ እቲ ብጥበብ እተሰርሔ ሓጽብን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ኣዐረየ

17. ብድሕሪኡ ሌዋውያንሬሑም ወዲ ባኒ ኣዐረዮምስኡ ሓሽብያሓለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ፡ ኣብ ክንዲ ግዝኣቱ ኣዐረየ

18. ብድሕሪኡ ኣሕዋቶምባዋይ ወዲ ሔናዳድሓለቓ እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ ኣዐረዩ

19. ዔዘር ወዲ የሹዓሓለቓ ሚጽጳ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ቤት ኣቕሑ ዜደይብ፡ ኣብቲ መአዝን ኣዐረዩ

20. ብድሕሪኡ ባሩክ ወዲ ዛባይ ካብቲ መአዝን ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ ቤት ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ኣዐረየ

21. ብድሕሪኡ መሬሞት ወዲ ኡርያ፡ ወዲ ሃቆጽካልእ ክፍሊ ኻብ ደገ ቤት ኤልያሺብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሺብ ኣዐረየ

22. ብድሕሪኡ ኸኣ እቶም ካህናት፡ እቶም ናይቲ ጎልጎል ሰባት ኣዐረዩ

23. ብድሕሪኦም ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ኣዐረዩብድሕሪኦም ኣዛርያወዲ ማዓሳያ ወዲ ዓንናንያ፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣዐረየ።

24. ብድሕሪኡ ቢኑኢ ወዲ ሔናዳድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያ ኽሳዕ እቲ መኣዝንን ክሳዕ ካልእ መኣዝንን ኣዐረየ

25. ጳላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንጽር እቲ መኣዝንን እቲ ኻብ ላዕላይ ቤት ንጉስ ውጹእ ዘሎ ግምብን ኣብ ጥቓ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ጳዳያ ወዲ ጳርዖሽ ኣዐረየ።

26. እቶም ነቲኒም ከአ ኣብ ዖፌል ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ደገ ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ብወገን ምብራቕን፡ ክሳዕ እቲ ውጹእ ዝነበረ ግምብን ይቕመጡ ነበሩ

27. ብድሕሪኡ እቶም ተቖዓውያን ካልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ውጹእ ዓብዩ ግምብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልን ኣዐረዩ

28. እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ ደገ ኣፍራስ ዘሎ መመንጽር ቤቶም ኣዐረዩ

29. ብድሕሪኦም ጻዶቅ ወዲ ኢመር ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ድማ ሽማዕያ ወዲ ሸካንያሓላው ደገ ምብራቕኣዐረየ

30. ብድሕሪኡ ሃናንያ ወዲ ሸለምያን ሓኑን ሳዳሳይ ወዲ ጸላፍን ካልእ ክፍሊ ኣዐረዩ። ብድሕሪኡ መሹላም ወዲ በረክያ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ።

31. ብድሕሪኡ ማልክያወዲ እቲ ኣንጠረኛ ወርቂክሳዕ ቤት እቶም ነቲኒምን ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንጽር ደገ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መአዝን ኣዐረየ

32. ኣንጠረኛታት ወርቅን ነጋዶን ከአ ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መአዝንን ኣብ መንጎ ደገ ኣባጊዕን ዘሎ ኣዐረዩ