1. ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዔተቖጥዔን ኣዝዩ ኾረየን እሞ ንኣይሁድ ኣላገጸሎም

2. ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከአ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ አለው፧ ስቕ ኢልናዶ ንሕደጎምኪስውኡዶ እዮም፧ ብሓደ መዓልቲዶኸ ይውድእዎ፧ ነቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ኹምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ

3. ጦብያ እቶ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቕኡ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ፡ እንተ ዚሰርሕዎ እኳእቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶኪፈርስ እዩበለ

4. ዎ ኣምላኽናስማዕ ተናዒቕና ኢና እሞ፡ ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ንብዝበዛ ናብ ሃገር ማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሀቦም

5. ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣኾርዮምኻ እዮም እሞ፡ ክፍኣቶም ከአ ኣይትሕብኣሎምሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ

6. እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸኣ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ አሎ።

7. ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ መካበብያ ዮርሳሌም ከም ዝሰለጠን፡ እቲ ፍራሳታውን ኪዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑኣዝዮም ተቖጥዑ

8. ኵላቶም ሓደ ኾይኖም መጺኦም ንዮርሳሌም ኪወግኡን ኬሸብሩን ተማሓሓሉ

9. ሽዑ ኣብ ኣምላኽና ጸሌና፡ ካባታቶም ኪሕልውና ኸኣ ብመንጽሮም ለይትን መዓልትን ሓለውቲ ኣቖምና

10. ይሁዳ ድማሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፡ እቲ መሬት ከአ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚ ንሕና መካበብያ ኽንዐዩ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ

11. እቶም ጸላኣትና ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ክሳዕ እንኣቱ ኣይኪፈልጡን ኣይኪርእዩን እዮም፡ ሽዑ ክንቀትሎም፡ ነቲ ዕዮውም ከነትርፎ ኢና፡ በሉ

12. ኮነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ኣይሁድ ምስ መጹካብ ኩለን ቦታታት ናባና ተመለሱ፡ ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ተዛረቡና

13. ስለዚ ኣነ ነቲ ህዝቢ ብድሕሪ መካበብያ፡ በቲ ታሕታይ ቦታ ኣብ ቃልዕ ስፍራታት በብዓሌታቶም ኣስያፎምን ኩናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ኣበልክዎም

14. ርእየ ድማ ተንሳእኩንኸበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ፡ ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩስለ ዝሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡበልክዎም

15. ኮነ ድማ፡ እቶም ጸላእትና እዚ ነገር እዚ ኸም እተፈለጠና፡ ኣምላኽ ከአ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑኩላትና ናብቲ መካበብያነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ዕዩኡ ተመለስና

16. ኮነ ኸኣ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻክረይ ፍርቆም ነቲ ዕዮ ይዐዩ ነበሩ፡ ፍርቆም ድማ ኩናውትን ዋላቱን ቀስትታትን ድርዕታትን ሐዙእቶም ሓላቑ ኸኣ ብድሕሪ ዅላቶም ቤት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ።

17. እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩብሓደ ኢዶም ከአ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ።

18. እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ።

19. ንኽበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ድማ፡ እቲ ዕዮ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓድሕድና ርሒቕናኣብ መካበብያ ፋሕ ኢልና አሎና

20. ደሃይ መለኸት ኣብ እትሰምዑላ ቦታ፡ ናብኣ፡ ናብ ጥቓና ተአከቡኣምላኽና ምእንታና ኪዋግኣልና ዕዮ፡ በልክዎም።

21. ከምዚ ኢልና ኣብቲ ዕዮ ንዐዮ ነበርናፍርቆም ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳዕ ክዋኽብቲ ዚወጹኩናውቲ ሐዙ

22. በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ነቶም ህዝቢለይቲ ሓለውቲ ኪኾኑና መዓልቲ ድማ ኪዐዩስነፍስ ወከፍ መምስ ጊልያኡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ይሕደሩበልክዎም

23. ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዐቡኒ ዝሕልው ሰብንንሕና ኽዳውንትናን ኣየውጻእናንነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ።