1. ኮነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ብወርሒ ኒሳን፡ ኣብ ቅድሚኡ ወይኒ ነበረ፡ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸኣ፡ ንንጉስ ሀብክዎቀደም ኣብ ቅድሚኡ ጉሀይ ኣይነበርኩን።

2. እቲ ንጉስ ከአዘይሐመምካ ኽነስኻ ገጽካ ጉህዩ፡ እንታይ ዃንኪ ኢኺ፡ እዚ ኻልእ ነገር ኣይኮነን፡ ጓሂ ልቢ ደኣ እዩ በለኒሽዑ ኣዝየ ፈርህኩ

3. ንንጉስ ከአንጉስ ንዘለኣለም ይንበርእታ ቤት መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ፈሪሳደጌታታውን ብሓዊ ተወዲኤን ከለዋ ደኣ፡ ከመይ ገይረ ገጸይ ዘይጽልምበልክዎ

4. እቲ ንጉስ ከአእንታይ እሞ ትደሊበለኒ። ሽዑ ኣነ ኣብ ኣምላኽ ሰማይ ጸሌኹ

5. ንንጉስ ድማንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ጊልያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ኣሐጉሱካስ ነታ ኸተማ መቓብር ኣቦታተይ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ በልክዎ

6. እቲ ንጉስ ከአ፡ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ ኸላ፡ ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካመኣዝከ ትምለስበለኒ። ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቖሪጸ ነገርክዎ፡ እዚ ነቲ ንጉስ ባህ ኣበሎ ሰደደኒ ኸኣ።

7. ንንጉስ ድማ፡ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለዉ መሳፍንቲ፡ ምድሪ ይሁዳ ኽሳዕ ዝአቱ ምእንቲ ኼሕልፉኒ፡ ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሰሎ፡ ናይ ንጉስ ፈቓድ ደብዳበ ይወሀበኒ

8. ንኣሳፍ ሓላው ዱር ንጉስ ድማ ነታ ቤት ግምብን ደጌታትንነታ ኸተማ ኸኣአ መካበብያን ኣነ ንዝአትዋ ቤትውን ክሰርሓሉ ኣእዋም ኪህበኒደብዳቢ ሀበኒ በልክዎ። ከምታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ዝነበረት ከአ፡ ንጉስ ሀበኒ

9. ናብ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለዉ መሳፍንቲ ድማ መጻእኩእቲ ናይ ንጉስ ደብዳቤታት ከአ ሀብክዎምእቲ ንጉስ ድማ ሓላቑ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ

10. ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ዚሐስበሎም ሰብ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዑዓብዩ ጓሂ ጓሀዩ

11. ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥኩ።

12. ኮነ ኸኣ ብለይቲ ተንሳእኩሒደት ሰባትውን ምሳይ ነበሩ። እቲ ኣነ ንዮርሳሌም ክገብረላኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሀበኒ ኸኣ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። ብዘይ እታ ኣነ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንሳሳ ኸኣ ካልእ እንስሳ ኸኣ ምሳይ ኣይነበራንን።

13. ብለይቲ ድማ በታ ስንጭሮ ደገ ወጻእኩ፡ ኣብ መንጽር ዔላ ገበልን ኣብ ደገ መጉሓፍን ኣቢለ ኸኣ፡ እቲ ዝፈረሰ መካበብያ የሩሳሌምን እተን ብሓዊ እተወድኣ ደጌታትን ርኤኹ

14. ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓጽቢ ንጉስን ከአ ሐለፍኩ። እታ ተወጢሔያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ሰአንኩ

15. ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ርባ ርባ እናደየብኩ ነቲ መካበብያ እርእዮ ነበርኩተመሊሰ ድማ በታ ናይ ስንጭሮ ደገ አቶኹከምዚ ኢለ ተመለስኩ

16. እቶም ሓላቑ ግና ኣነ ዝኸድክዎን ኣነ እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ድማ ንኣይሁድን ንኻህናትን ንኸበርተን ንመሳፍንትን ነቶም ዝተረፉ ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩን ምንም ኣይነገርኩን

17. ሽዑ ኣነ፡ ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ ሓሳረ መከራ ኸም ዘሎና ንስኻትኩም ትርእዩ አሎኹም፡ ዮርሳሌም ባዲማደጌታታ ኸኣ ብሓዊ ተወዲኤንእምበኣርሲ ንድሕርዚ መላገጺ ኸይንኸውንንዑናይመካበብያ ዮርሳሌም ንስራሕበልክዎም

18. እታ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ሕያወይቲ ኸም ዝዀነትን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንልዐል እሞ ንስራሕ፡ ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን

19. ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ጌሸም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑኣላገጹልና ነዐቑናን እሞ፡ እዚ ንስኻትኩም እትገብሮ ነገር እንታይ እዩ፡ ንስኻትኩምሲ ኻብ ንጉስዶ ኽትዐልዉ ትደልዩ አሎኹም ድማ በሉ

20. ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ዮርሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎም።