1. በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ መጽሓፍ ሙሴ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበብዎ፡ ኣብኡ ኸኣአ ዓሞናውን ሞኣባውን ንዘለአለም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ከይአቱተጽሒፉ ተረኸበ

2. ከመይሲ ኺረግሞም ደኣ ንበላዓም ተሻየጥዎ እምበር፡ ንደቂ እስራኤል እንጌራን ማይን ሒዞም ኣይተቐብለዎምንኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ኣብ በረኸት መለሶ

3. ኮነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ፡ ጓና ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ

4. ቅድሚ እዚ፡ ኤልያሺብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ ኽፍልታት ቤት ኣምላኽና ተሸይሙ ዝነበረ፡ ዘመድ ጦብያ

5. ንሱ ንእኡ ዓብዩ እቃቤት ኣዳለወሉቅድም ኣብኡ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣቓሑን ናይ እኸልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዕሽር፡ ማለት እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደጌታትን እተአዘዘሎምን እቲ ንኻህናት ዚለዐል መስዋእትታትን የንብሩሉ ነበሩ።

6. ኣነ ግና ብኹሉ እዚ ነገር እዚ ኣብ ዮርሳሌም ኣይነበርኩን። በመበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ንኣርታሕሻስታ ንጉስ ባቢሎን ናብ ንጉስ ደኣ መጺኤ ነበርኩ። ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ድማ ካብ ንጉስ ስንብታ ለመንኩ፡

7. ናብ ዮርሳሌም ከአ መጻእኩ እሞ ኤልያሺብ ኣብ ውሽጢ መካበብያ ቤት ኣምላኽ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምድላው ዝገበሮ ኽፋእ ኣስተውዐልኩ

8. እዚ ኸኣ እዝዩ ኣጉሀየኒ። ንዅሉ ኣቓሑ ቤት ጦብያ ድማ ካብቲ ኽፍሊ ቤት ንግዳም ደርቤኽዎ

9. ነቲ ኽፍልታት ቤት ከአ ኬንጽህዎ አዘዝኩ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ድማ መሊሰ ኣብኡ ኣእቶኽዎ።

10. ንሌዋውያን ግዲኦም ከም ዘይተዋህበ፡ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዜገልግሎ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝሀደመ ፈለጥኩ

11. ሽዑ ነቶም ዓበይቲ ገሰጽክዎም፡ ስለምታይ እዩ ቤት ኣምላኽ እተሐድገኢለ ኸኣ አኪበ ነናብ ዕዮኦም ኣቖምክዎም

12. ሽዑ ኸኣ ኵሉ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዕሽር ናብቲ መዝገብ የምጽእ ነበረ።

13. ተሓዝቲ መዝገብ ከአ ሸለምያ ኻህንን ጻዶቅ ጸሓፍን፡ ካብ ሌዋውያን ድማ ፈዳያ ኣቖምኩ። ምሳታቶም ከአ ሓናን ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ማታንያ፡ ወሰኽኩ፡ እሙናት ኮይኖም ስለ እተረኸቡ ድማ ነሕዋቶም ገግዲኦም ኬካፍልዎም ተመዘዙ

14. ስለዚ ዎ ኣምላኸይዘክረኒ፡ ኣብ ቤት ኣምላኸይን ኣብ ኣገልግሎቱን ዝገበርክዎ ለውሃተይ ከአ ኣይተጥፍእ

15. በተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኺረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኼእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ በመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ኬምጽኡን ርኤኹ። ኣነ ኸኣ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ

16. ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዚሽየጥ ኵሉ ነገርን የምጽኡንደቂ ይሁዳ ኸኣ ብሰንበትን ኣብ ዮርሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ።

17. ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ አሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎም

18. ኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩኣምላኽና ድማ እዚ ዅሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚአን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ።

19. ኮነ ኸኣ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኺወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኺዐጽው ኣዘዝኩሰንበት ክሳዕ እተሐልፍ ከአ፡ ከይከፍቱ አዘዝኩብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸያአቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ።

20. ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ዅሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሐደሩ

21. ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩምኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹን

22. ንሌዋይውን ከአ ኪጸርዩንንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ኪመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸትይዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ

23. በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያንዓሞናውያንሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ

24. እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ።

25. ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም

26. በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸኣ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ።

27. እዚ ዅሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና።

28. ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳዕወዲ ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሳንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገበረ። ስለዚ ኸኣ ካባይ ሰጎጉክዎ

29. ክህነትን ኪዳን ክህነትን ሌዋውያንን ስለ ዘርከሱ፡ ዎ ኣምላኸይዘክሮም

30. በዚ ኸምዚ ኻብ ኵሉ ጋሻ ነገር ኣጽሬኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስራሑ ብምትሓዝ ኣቖምክዎ

31. ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይትን ብዛዕባ በኹራትን በቲ እተመደበ ጊዜ ኪቐረብ ኣዘዝኩ።

32. - ዎ ኣምላኸይንጽቡቕ ሕሰበለይ

Chap 12