ምዝንታው’ዩ ግደይ

Posted on 2012-02-08 · 1121 · 0 · 1

107 resources uploaded

ቀይሐ ጸልመ ቀደደት
ወግሔት...ጸሓይ’ውን በረቐት
መዓልቲ ባባ ኣርሓወት
ሰኒቓ ትሕዝቶ ሰዓታት’ወ ካልኢት።
እንታይ ኮን ጸወረት
እንታይ ኮን ዓቖረት
ንዓይ ‘ትልግሶ ሰናይ ኮነ እኪት፧
እንድዒ...

ኣምላኸይ...
ንዓኻ’ዩ ቕሉዕ ኣይፈልጦን’ዩ ኣነ
ምሕረትካ ግን ኣሎ ‘ቲልዑል ዚኮነ
ኣንጊሀ ተንሲኤ ብእኡ ቀሲነ
ምእዋጅ’ዩ ግደይ ብቕዓቱ ኣሚነ።

ወዮ ዝወግሔት
ሃልኪ እተመልኤት
ኑኽኑኽቲ ስግድቲ ብፈተና ጭንቀት
ሓደው አንተበልካ ዚኽተሉ ካልኦት
መዓልቲ ብምሉኣ ወርሒ ከይገዝኤት
ምህረትካ ጼሩኒ ሰገርኩ ብዓወት።

ስለዚ...ኣምላኸይ
ለይቲ ’ናሕሰብኩ ’ናስተንተንኩ ብልበይ
ተገምሲሰ ’ዕሪፈ ኣብታ ምድቃሰይ
ዳግም እምንቶኻ ምዝንታው’ዩ ግደይ!!

“ዎ’ኣምላኸይ ፣ ንግሆ ንግሆ ምሕረትካ ለይቲ ለይቲ እውን
እሙን ምዃንካ ምዝንታው ሰናይ አዩ።”
መዝ 92.2

1 comments

ኣመን.
Other Poem