ንጐይታ ከነዕግቦ

Posted on 2012-02-06 · 1155 · 0 · 0

11 resources uploaded

ንኣምላኸይ ከዕግቦ ብልበይ ወሲነ
ማለተይ ኮይኑ ካብ ልበይ ሃቂነ
ብኹሉ መኣዝን ብዙሕ ፈቲነ
ከምዚ ክብልውን ኣሕሚመ ሓሊነ

ኣእጋረይ ካብ ከንቱ ጉያ ተመሊሰን
ብስራት ከበስራ ክስመያ ሰናይ ተባሂለን
ኣብራኸይ ንጸሎት ክዕጸፋ ክንብርከኻ
ምእንቲ ነፍሳት ከማልዳ ክልምናኻ

በእዳወይ ክጽዕር ንሰርሕ ክጽሕትር
ንኻልኦት ብምምቓል ብዕሽረይውን ክትከብር
ከናፍረይ ምስክራትካ ክነግራ ከውርያ
ምኡዝ መዛሙር ቃናታት ከፈልፍላ ከዛርያ

የዒንተይ ከምቲ እትሪኦ ኣነጺረን ክሪኣ
ረዲኤተይ ካባኻዩ እናበላ ናባኻ ከቋምታ
ኣእዛነይ ንድምጽኻ ከለልያ ክሰምዓ
ደሃይ ጓስአን ኣነጺረን ክፈልጣ ከጽንዓ

አእምሮይ ንቓላትካ ጥራይ ከዛኒ ከስተንትን
ብምሕዳስ ሓሳቡ ወትሩ ክልወጥ ክስልጥን

ከምዚለ ንጐይታ ክመጻባዕ ከለኹ
ዝበቐቕኩሉ መሰለኒ አካላተይ ዝጎዛዘኹሉ
ድሕሪ ብዙሕ ምውራድ ምድያብ
ሓደ ሓሳብ መጸኒ አቓልቦይ ዝስሕብ

ኣቦታት ከምዝብልዎ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ
ኣነስ ወሲነ ሂወተይ ብምሃብ ንጐይታይ ክእዘዝ
እዝዩ ንጐይታ ዘሕጉሶ ዘዕግቦ
አሕዋት ብዘሎ ሂወትና ንጐይታ ንሃቦ::

0 comments
Other Poem