ፍረ ደሙ እየ

Posted on 2012-07-27 · 1084 · 0 · 1

3 resources uploaded

ክብሪ ደም የሱስ ብምንታይ ይትመን
ዋጋ ደሙ'ከ ብምንታይ ይዕቀን
ርዝነቱ'ከ ብምንታይ ይምዘን
እስኪ ግለጹለይ ክሰምዕ ከስተንትን

እንታይ'ዩ ኩቡር ናይዛ ዓለም
ነእምሮ ዝማርኽ ብድቃስ ዝሕለም
ጉልበትካን ግዜኻን እትህቦ ክፍጸም
ኪዳን ዚኣተኻዮ ከይትጠልም

ንዓይ'ሲ
ኮይኑ ረኺብዮ ደም ናይ የሱሰይ
ዝሰረዘ ሓጥያተይ ዝቐደሰ ሂወተይ
ኣዋጅ ሞት ገልቢጡ ዝኣወጀ ሓርነተይ
ትብዓት ዝሃበኒ ክርኢ ገጽ አቦይ
ፍረ ደሙ'የ ደም ናይ የሱሰይ

እወ ብሓቂ
ፍርሃተይ ቀንጢጡ ዘእተወኒ ናብ ቤቱ
ዘመነይ ዝበልዖ ናይ ኮንትነት ኮንቱ
ኪኽሕሰካ'የ ኢሉኒ ብቓላት አፉ
ብኪዳኑ ክሕለወኒ ክወጽኣ ክኣቱ
ከውርሰኒ ድማ ሰማያዊት መንግስቱ
ዉሉዱ ጌሩኒ ብደም ፍቁር ወዱ።

"ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣራውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረከሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕደስ ካብ ኰነስ፡ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።" (እብ9፡13-14)



1 comments

merhawi hawey neti haki kin felto birhanu zebrhalna amlak ybarek ewe hakika zikebere dem goyta ybarka memeliska ebe xegu yebzahalka.
Other Poem