ብርዐይ ኣንፈትኪ ኣቕንዒ!

Posted on 2016-01-03 · 751 · 0 · 0

3 resources uploaded

ብርዐይ፡ ሎምስ ኣንፈትኪ ኣቕንዒ
ኣመትኪ ኣቕልብሉ፡ ግበርሉ ቕጥዒ
ብቓል ጐይታ፡ መታን ክትጥጥዒ
ኣስርጺ፡ ብቕዒ ኩነታትኪ ክጥዒ

ነታ ዝርካብኪ፡ ሕሉብኪ ንጹፍኪ
ዕማኾ ከይሓዛእኪ*፡ ንመኣዛ መንፈስኪ
ንሓላፊት ዓለምዶ፡ ገበታ መፍሰስኪ
ኣካ ኣስተለምክዮ*፡ ንዕዳኺ ወንዚፍኪ።

ብዝረዓምክዮ* ሚዛን፡ሪሙ* ንኢሱ
ኢየሱስ ጸይሩኪ’ዩ፡ ኣዝዩ ተዓጊሱ
ተንሲእኪ ዘምርሉ፡ ንኽብሩ ሞገሱ
ክምለሰኪ ምእንቲ፡ ልቡ ረስሪሱ።

እሞ’ባ ኣንቓዕርሪ፡ ናብቲ ከኣሊ ኩሉ
ናብኡ ተማህለሊ፡ ዝሰኣኖ ዘይብሉ
ነብስኺ ሓኺኽኪ፡ ሞሳኡንዶ ሃብሉ
ብዓንተቦኡስ፡ ኩለንትናኺ ናቱ እንደኣሉ።

ብርዐይ፡ ደሃይ ፈጣሪኺ ግበሪ
ምስ ሰዓብቲ ጐይታ፡ተጸንበሪ
ንሰብ-ቐደምኪ፡ ተማልኢ እምበሪ
ክቛደሱ ጸጋ፡ ከተርእይዮም በሪ።

ስድሪ ትህብዮ፡ ይምጥወልኪ* እመት
ቑሩብ-ቑራቦኺ ስወጦ፡ ይህቦ ዕግበት
ቐውዕኺ ይኸውን፡ ትሓፍሲ ካዕበት
ቖፎኺ ይመልእ፡ ይፈስስ ምድር ቤት።

ብርዐይ፡ ንጣብኪ ክሰክን* ኣብ ቐለም ፈጣሪ
ከስተማቕር ቓና፡ ናይቲ ኩሉ ኣፍቓሪ
ክዉረቦ ዜማ፡‘ቲ ሰታሪ፡ መሓሪ
ንሕርቡት መርሃዊ፡ ንጽቡብ ኣበሳሪ።

ብልሒ ጫፍኪ ነዚዑ፡ ከተርክስ ብራና
ክሰብር መቑሕኪ*፡ ከዝልቖ ምራንና
ሕማምኪ ፈዊሱ፡ ከኽትሞ ዕብራንና
ክኣኻኽብ፡ ከሳኒ ንመላእ ስድራና።

እጃምኪ ኣይትብቐቒ፡ ዕጠቒ ድግድጊት
ሃየ ኣይትተሃመሊ፡ ብሰበብ ብመኽኒት
ሞግስዮ ንኣምላኽ፡ በቲ ጥዑም ቕኒት
እምነትኪ ትጽናዕ፡ ክጭበጥ ’ቲ ትምኒት።

ብርዐይ፡ብጽሒትኪ ኣልዕሊ፡ ጸጸርኪ ደርብዪ
ፍሕትሕት በሊ፡ በጃኪ ይተድብዪ
ከለኺ ዘለኪ ወፍዪ፡ ኣይትተዓበዪ
ዝተጐነዓልኪ* መስክሪ፡ ራእይኪ ተነበዪ።

ኣሰሩ ክትስዕቢ፡ መተንባህታ ጎይታ
ከተዝይሚ ማህሌት፡ መቓልሕ ዕልልታ
ብማሲንቆ ኽራር፡ ብበገና እንብልታ
ስለቲ ዘንቐጥቐጣ፡ ንጎልጎታ ብምልእታ።

በሊ ብርዐይ ናተይ፡ ሃየ ኣይትደንብሪ
ኣብ ሓደ ከይዓርበኪ፡ ኣዛንቒ ሕብሪ
ዘሎኪ መዝምዚ፡ ትሕዞኺ በርብሪ
ዕዳኺ ዕጸዊ፡ ክፈልዮ ግብሪ (2)

ኢራብ፡ ዓይኒ ማያት እያ ትናፍቕ
ብርዐይውን ትልምነካ እናበለት ፊቕ*
ከይትኸውን፡ ግደ እቶም መናፍቕ
ጉዕዞአ ክቐንዕ፡ ንጐይታ ክትናፍቕ (2)

ጐይታ ኢየሱስ ዚተመስገነ ይኹን።
-------
(ትርጉም ቃላት፡
*ከይሓዛእኪ = መሐለውታ ከይገደፍኪ፡ ከየጽናሕኪ
*ኣስተለምክዮ = ኣረከብክዮ
*ሪሙ = ብጽሒቱ፡ እጃሙ፡ ንዕኡ ዝግበኦ
*ብዝረዓምክዮ = ንዓኺ ብዝሰማማዓኪ ፡ ብዝመሰለኪ
*ይምጥወልኪ = ይህበኪ
*ክሰክን = ክሰርብ፡ ክሰርጽ፡ ዝግ ኢሉ ክወርድ
*መቑሕ = መቐየዲ ዓንኬል / ሰንሰለት፡ 'ፌሮ'
*ዝተጐነዓልኪ = ዝተገብረልኪ፡ ዝተዋህበኪ
*ፊቕ = ብብኽያት እንዳ ተነኽነኸት)

ካብ ቤተ-ክርስትያን ጰኒኤል - ከተማ ካልጋሪ - ካናዳ
ቢንያም የማነ

3 ጥሪ 2016

0 comments
Other Poem