. . .ንየው ደኣ በሎ!

Posted on 2013-03-23 · 1242 · 0 · 1

32 resources uploaded

ኣታ ሰብ . . .
ልብኻ ተገንጺሉ እንተዝንበብ
እንተዝግለጽ ‘ቲ ሕቡእ መዝገብ
ስዉር ዉዲት እኩይ ሓሳብ
ባዕልኻ ምፈረድካ ’ዶ ከይተጸበኻ ሰብ?
ንነብስኻ ምበልካያ ’ዶ ዓገብ?
ምስጢር ልብኻ ናብ ጋህዲ እንተወጸ
ምተረኽበ ’ዶ ገለ ክቡር ከም ወርቂ እተመርጸ?
ወይስ ገለ እከይ ከም ማይ ብሑቕ ዝመጸጸ?

እስከ ሕሰብ . . .
ልብኻ ኣብ ቅድሚ ሰብ እንትዝኽፈት
ሰብ ንኸንብቦ እቲ ናትካ ሓሳባት
ምተረኽበካ’ ዶ ገለ ዘነይት?
ወይስ ምተሰመዓካ ሕንከት?
ንኣምላኽ ምፍራህ ግዲ ገዲፍካ
ንብጻይካ ንዝነብር ምሳኻ
እትተናኾሎ ብልብኻ
እንተዘንብብ ንውሽጥኻ
ምሃደመ ኣርሒቑ ካባኻ
ከይተዋሕጠ ‘ኸሎ ብቕንእኻ

በል . . . ኣታ ሰብ
እንታይ’ዩ ልብኻ መሊኡዎ ዘሎ?
ካብ ሰብ ከይርአ ዝሓብኦ ዝኸወሎ
ኣይትረስዕ’ባ ዝርኢ ኣምላኽ ከምዘሎ
ጸልማት ዘይጽልምቶ ገለ ዘይኽወሎ
ውሽጥኻ ዝፈልጥ ኣብ ልብኻ ዘሎ
ስለዝስ ኣይትዓሹ ፣ ነቲ ኽፍኣትሲ ንየው ደኣ በሎ!

“እምብኣርሲ ንኹሉ ኽፍኣትን ኩሉ ጉርሕን ግብዝናን ቅንእን ኩሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ።” (1 ጴጥ 2: 1)

1 comments

· 2013-06-15
ሓቅኻ አለኻ፤፤
Other Poem