ከዘንቱ'የ እንተረኸብኩ ዘስተውዕል
ዝምርምር ዘለሊ
ናይቲ ጸላም ሓይሊ
ብርሃን የለን ኩሉ ጸልማት ኮይኑ
ተኸዲኑ ሰማይ ብጸላም ደቢኑ
ገለ ንእሽቶ ምስሊ
ከቢድ'ዩ ብጣዕሚ
አይከአልኩን ከለሊ
ሓገዝ የድልየኒ'ኳ እንተኾነ
ግን ከምዚ ኢለ አነ
ዘይ ሓደ'ዩ ኩሉ
እንተ ምርኣይ ይርኢ ኣሎኹ
ትርጉም የብሉን ሕብርታት
ናይ ዝበዝሐ
ጸሊም ሕብሪ ኳ'ዩ እቲ ዝበለጸ
ንምቾት ንድቃስ ዝተመርጸ
ዳግማይ ብርሃን ከይርኢ
ንርእሰይ የእሚነ
ምስቲ ጸላም ክነብር ወሲነ
ግን ብድንገት
ሕጊ ተፈጥሮ ጥሒሱ
ድምጺ ንብርሃን ሓሊፉ
በእዛነይ ገለ ቃላት ገዲፉ
ንድሕሪት ተዓዝረ
ተገሪመ፡ አስተንኪረ፡ ንነብሰይ ሓቲተ
ካብ መዓስ ደአ ድምጺ ንብርሃን ይቕድሞ
አይፈለጥክዎን እምበር
እቲ ዝለኣኾስ የለን ዝጽግሞ
ዘደንቅ ዘገርም ሓዲሽ ኩነት ኮይኑ
ጸላም ናብ ጸላሙ ከይዱ
ብርሃን ቀደድ ኢሉ
ብድንገት ቋሕ እንተበልኩ
ለካ የሱስ ነይሩ አብ ቅድመይ
እቲ አቦ ብርሃን ዓይነይ ከፊቱለይ
ብዕውረይ ከምዝተወለድኩ ሽዑ በሪሁለይ
የሱስ ምስ ረኸብኩ
ጐይታ ናይ ሂወተይ።