ሕሰብ

Posted on 2012-12-10 · 1101 · 0 · 0

30 resources uploaded

ሰብ እኮ ሰብ’ዩ፣ ኣምላኽ ግና ኣምላኽ’ዩ
ሰብ እቲ ፍጡር፣ ኣምላኽ እቲ ፈጣሪ ኩሉ
ነዚ መን ኣሎ ዘይፈልጦ፣ ውሑድ’ዩ ግና ዘስተዕሎ
ነቲ ትፈልጦ ምስ ተስተውዕሎ፣ ኣምላኽ በዚ ባህ ይብሎ።

ሰብ ሕጂ ኣሎ ጽባሕ ግና …፣ ኣምላኽ ግና ንዘለኣለም ይነብር
ሰብ መዋቲ ሓላፊ ከም ሳዕሪ፣ እግዚኣብሄር ግና ዘይመውት ዘለኣለም ነባሪ
መዓልቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ፣ ሰብውን ናይ እግዚኣብሄር’ዩ
ሰብ ንርእሱ ዝውንና ይመስሎ፣ ግናኸ ኣምላኽ’ዩ ዝገበሮ

ስለምንታይ ድኣ ነዚ ሓላፊ፣ ስለምንታይሲ ነዚ መዋቲ
ኤረ ንምንታይ ነዚ ሳዕሪ፣ ትፈርሆ ጌርካ ከም ፈጣሪ
እዚ ኹሉ ምግባርካስ፣ ንእግዚኣብሄር ዘይምእማንካ ባዕልኻ’ኻ መስካሪ

በዚ ነገር እስከ ሕሰብ፣ ንኣምላኽዶ ወይስ ብሰብ
ንፈጣሪዶ ወይስ ንፍጡር፣ ንመን ኢኻ ትፈርህ፧
ኣብ ቅድሚ መንከ ትርዕድ፧

ጐይታ ግና ንመን ከም ትፈርሁ፣ ከርእይኩም ንዑ
ነቲ ንስጋ ቀቲሉ፣ ድሕሪኡ ሓንቲ ዘይገብሩ
ነቲ ምስ ቀተለስ ኣብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፣ ንኣኡ ፍርሁ

ንመን ድኣ፧

ነቲ ንስጋ ቐቲሉስ፣ ንነፍሲ ናብ ገሃነብ ዘእቱ
ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ነቲ ኣምላኽ ኩላ ምድሪ
እዩ ፍርህዎ ዝበለ።

እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ኣሎ፣ ዝደለዮ ከኣ ይገብር
ብስልጣን ዓቢ እዩ፣ እሞ ዝምስሎ የልቦን
ድሌቱ ዝገብር፣ ዝኽልክሎ መን’ዩ፧
ስላ ዕቤት ስልጣኑ፣ ጸላእቱ እናቀባጠሩ ዝግዝእዎ

እቲ ንህዝቡ ብማእከል ባሕርስ ከም ብንቑጽ ምድሪ ዘስገረ
እቲ ኣብ ምድረ በዳ ንህዝቡ ዝመገበን ዝተኸናኸነን
ንባሕሪ ኤርትራ ብትንፋስ ኣፍጭኡ ኣብ 2 ዝመቐለ
ዮርዳኖስ ምስ ረኣየቶ፣ ኣብ ርሑቕ ደው ዝበለት

ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኩሉን ዝገበረ
ንሰብ ከኣ ኣብ ምድሪ ወኪሉ ክኸውን ዝመዘዘ
ብሾብዓተ እንጌራ፣ ን4000 ሰብኡት ዘጽገበ
ን3 ሚሊዮን ህዝቡ ኣብ በረኻ 40 ዓመት ዝመገበ

ዓቢ ንገር ክገብር፣ ይኹን ምባል ጥራይ ዘድልዮ
ማዕበላት ባሕሪ ዘህድእ፣ ንሽጉር ከኣ ዝረድእ
ኣቦ መስኪንን መበለትን፣ ንዘኽታማት ዝሓሊ
ንገስታት ዝሸይም፣ ነገስታት ከኣ ዘውርድ
ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ

መን ምዃኑ ኣምላኽካ/ክስ ሓሲብካዮዶ ትፈልጥ፧
ኤልሻዳይ ምዃኑኸ ኣቋጺርካዮዶ ትፈልጥ፧

ሰኑይ 21 ግንቦት 2007

0 comments
Other Poem