ንንውሕ ዝበለ እዋን ክርስትያናት፣ ብፍላይ ድማ ወንጌላውያን ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ኤርትራ እንታይ ተራ ከምዘሎና ንዓና ኮነ ንኻልእ ድንግርግር ኪብለና ዝጸንሐ ኮይኑ ይርድኣኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ክርስትያን ኣብ ምድራዊ ነገራት ጉዳይ የብሉን፣ ንሱ መንፈሳዊ እዩ እሞ ናይ ሰማይ፣ መንፈሳዊ ነገር እዩ ዚምልከቶ ዚብሉ ወገናት ኣለዉ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ክርስትያን ከም ኩሉ ካልእ ሰብ ብዛዕባ ኹሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት የገድሶ እዩ ዚብሉ ወገናት ኣለዉ። እዚ ኽልተ ደምበ ርእይቶታት ኣብቲ ወንጌላዊ ክርስትያን ከምኡውን ኣብቲ ካልእ ዜጋ ንረኽቦ እዩ። ንዓይ ብወገነይ እዚ ክልተኣዊ ኣመለኻኽታ ጥራይ ዚኣክል ኮይኑ ኣይስመዓንን። ከመይሲ ህይወት ሰብ መንፈሳዊት ወይ ግኡዛዊት ጥራይ ኣይኮነትን። ህይወት ሰብ እተጠናነገት (ኮምፕሌክስ) እያ። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራትን ክውንነታትን ድማ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ትሓትት። ጥርዛዊ ኣመለኻኽታ ንኹሉ ሓቅታትን ክውንነታትን ዚምልሰልና ኣይመስለንን። በዚ መንጽር እዚ እየ ብዛዕባ ተራ ወንጌላውያን ክርስትያናት ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ሃገርና ክዛረብ ደልየ ዘለኹ።
ክርስትያናት፣ ኣብ ምድሪ እንነብር ንስርዓት ምድሪ ድማ ተገዚእና እንኸይድ ናይ እምነት ሰባት ኢና። ከምቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ግብሪ ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ፣ “እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ሃቡ” ዝበለ (ማርቆስ 12፣17)፣ ንኹሉ ገጕቡኡ እናሃብና ኢና ኽንከይድ ተጸዊዕና። ኣብዚ ዓውደ ንባብ (ኮንቴክስት) ቄሳር ንመንግስታት ምድሪ፣ ኣምላኽ ድማ ንሰማያዊ መንግስቲ እዮም ዚውክሉ ዘለዉ። ክርስትያናት ኣብ ክልቲኡ ጽፍሕታ ህላወ ከም ምህላውና መጠን ነዚ ኽልቲኡ ነገራት ኽንገብር ከለና ዜግነታዊ ሓላፍነትናን ክርስትያናዊ ጽወዓናን ብግቡእ ሓሊና ኽንነብር ንኽእል። ከም ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር መጠን፣ እቲ ንዜጋ ሓንቲ ሃገር ዘለዎ መሰልን ግዴታን ንዓና ድማ ይምልከተና። ሕብረተሰብ ሓንቲ ሃገር ነቲ ግቡእን (ግዴታ) መሰልን ብዚምልከት፣ ብቓላት ጂን ጃክ ሩሶ፣ “ሓባራዊ ውዕል” (ሶሻል ኮንትራክት) ኣለዎም። ነዚ ድማ ብሓደ ውዕላዊ ሰነድ ወይ “ቅዋም” ኣቢሎም ከም ሕጊ የጽድቕዎ። ብዘይ ቅዋም መን እንታይ ይብጽሖ? ኣብ ሕብረተሰብ እንታይ ተራ ይህልዎ? እንታይ ኪገብር ይግደድ? መን የገድዶ? እንታይ ይፍቀዶ፣ እንታይ ኣይፍቀዶን? መን የፍቅደሉ? ደረት ከይስገር፣ ዓመጽ ከይፍጸም፣ እንታይ መኸላእታ ይግበር? ወዘተ ኣይፍለጥን እዩ። ቅዋም እንተዘይሃልዩ ምልኪ ይነግስ፣ ዝርግርግ (ኬኦስ) ይገዝእ፣ ሓታቲ ተሓታቲ ኣይፍለጥን፣ ዓመጽ ይካየድ፣ ፍትሒ ይድፈን፣ ሰብኣዊ መሰላት ይገሃስ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኹነታት ወዲ ሰብ እቲ መሰረታዊ ናይ ምንባር ሃዋህው ስለዚንፈጎ ካብታ ሃገር መዋጽኦ ጥራይ እዩ ዜናዲ፣ ወይውን ሰውራ (ሪቮልዩሽን) እዩ ዜልዕል። ታሪኽን ህሉው ኩነታት እዛ ዓለም ብሰውራታትን ቅልውላውን ስደታትን ምሉእ እዩ። ዋላኳ ንሰውራታት ብዙሕ ውዳሴታት እንተተገብረሉ፣ ሰውራ (ሪቮልዩሽን) ንባዕሉ ዘይተደልየ ሳዕቤን ምልካውነትን ዓመጻን እዩ። ባዕሉ ንባዕሉስ (ኢንትሪንሲካሊ) ሰውራ እንቋዕ መጻኻለይ ዚበሃል ነገር ኣይኮነን። ብዘይ ሰውራ ፍትሒ እንተዚነግስ መን ምሃበ! ግን ባህርይ ወዲ ሰብ ንሰውራታት ኣገዲዱስ ኣብ ዘመንና እኳ ሓይሎ ሰውራታት፣ ብቐረባ እኳ እቲ “ቀውዒ ዓረብ” ተባሂሉ ዘሎ ሰውራታት ኣርኪቡና።
ምድርን ደቂ ሰባትን ንግህሰትን ደፈና ፍትሕን ክሳዕ መወዳእታ ኣይዕገስዎን እዮም። ካብ ፈርኦናት ግብጺ ክሳዕ ናይ ዘመንና መለኽቲ ድማ ነዚ ሓቂ እዚ ብግብሪ ይርእይዎ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ህላወ፣ ክርስትያናት ኣብ ምንታይ ኢና ደው እንብል? እንታይ እዩኸ ተራና? ፍትሒ ዝጸምአት ዓለም ድማ ኣበይ ኣለዉ? ኽትብለና ግቡእ ሕቶ እዩ። እሞኸ ኣበይ ኣሎና?
ከም ውልቀ ዜጋ፣ ክርስትያን ንፍትሕን ሓርነትን ወዲ ሰብ ደው ኪብል ብግዲ እዩ። ምክንያቱ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ንወዲ ሰብ ሓራ ፍጥርት ገይሩ ፈጢሩዎ። ኣምላኽ ንሰብ ሓራ ጥራይ ኣይኮነን ገይርዎ፣ ንብጻዩ ዜፍቅር ዚሓሊ ኪኸውን ድማ ይደልዮ። ኣብዚ ድማ እዩ ናይ “ፍትሒ” ነገር ዚመጽእ። ደቂ ሰብ ብሓባር ኪነብሩ ካብ ዚጅምሩ ድማ ፍትሕን ሓርነትን መሰረታዊ ማእሰር ሕብረተሰብ እዩ። ስለዚ ምእንትዚ ክብርታት እዚ ደው ምባል እምበኣር ንክርስትያን ኮነ ንኻልእ መሰረታዊ ሞራላዊ ሓላፍነት እዩ። ሓደ መዐቀኒ ስልጡን ሕብረተሰብ ድማ ክሳዕ ክንድይ ንፍልልይ ሓሳባት ይጸውር፣ ሓርነትን ፍትሕን ደቂ ሰብ የኽብርን እዩ።
ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ፣ ደቂ ሰባት ኣንጻር ምልክን ዓመጽን ደው እንተዘይኢሎም ብገዛእ ኢዶም እዮም ርእሶምን ካልኦትን ንዓመጻ፣ ምልክን ግህሰትን ኣሕሊፎም ዚህቡ። ምልክን ግህሰትን ድማ ሓንሳእ ዕድል እንተረኺቡ፣ ደረት የብሉን። ብኣገላልጻ ፍራንሲስ ሾፈር ዝተባህለ ክርስትያን ፈላስፋ “ኣብ ሓንቲ ሃገር ንሲቪላዊ ኣብያ (ሲቪል ዲስኦቢድየንስ) ባይታ እንተዘየለ፣ ሓደ መንግስቲ ድላዩ ኪገብር ነጻ ተለቒቑ፣ ቃል ብቓሉ ድማ፣ ናይቲ ህያው ኣምላኽ ቦታ ተዋሂቡዎ ኣሎ ማለት እዩ።” መወዳእታ ምልካውነት ድማ ዕንወትን ብርሰትን እዩ። ስለዚ በዚ ይኹን በቲ፣ ብፍላይ ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ንክርስትያን፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሞራላዊ ተራ ኣለዎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ “ትም” ልቦና ኣይኮነን። ትም በዚ ኾነ በቲ ንህሉው ኩነታት ምቕባል፣ ወይ ምስኡ ምስማር ኬስምዕ ይኽእል። ሒደት ሰባት ትም ኪብሉ ይኽእሉ እዮም ኩሉ ትም እንተኢሉ ግን...።
ቤተክርስትያን ኣንጻር ዓማጺ፣ ፍትሒ ዚደፍን፣ ሞራላዊ ብርሰት ዜስርጽ ስርዓት ደው ክትብል ናይ ተቢይነት ግደ ኣለዋ። ዋላኳ ንኹሉ ናይዛ ዓለም ጸገምን ሽግርን ክትፈትሕ ዘድሊ ጥረነገራት እንተዘይሃለዋ፣ ኣብ ስነ-መጎት ፍትሕን ሓቅን ልዑል ባይታ (ሃይ ግራውንድ) ደው ክትብል ጽወዓን ሓላፍነትን ኣለዋ። ገለ ክርስትያናት፣ ናይዛ ዓለም ጸገምን ሽግርን ክንፈትሕ ዓቕሚ ኮነ ትሕዝቶ የብልናን ይብሉ እዮም። እቲ ሕቶ ግን ምፍታሕ ሽግር ኣይኮነን፣ እንታይ ዓይነት ሞራላዊ ሓላፍነት ትወስድ እዩ። ምስ መን ደው ትብል እዩ። ንኣብነት ክርስትያናት ድኽነት ካብ ዓለም ከነጥፍእ ዓቕሚ የብልናን ይበሃል ይኸውን። ግናኸ ከምኡ ስለዝኾነ ንድኻታት ክንረድእ ምስኦም ክንከውን የብልናን ማለት ኣይኮነን። ንመለኽቲ ወይ ገፋዕቲ ካብ ዓለም ከነርሕቕ ዓቕሚ የብልናን ኢልካ ድማ ንግፉዓት ግዶም ዘይብልካ ኽትከውን ኣይግባእን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ ብሉይ ኮነ ሓድሽ ኪዳን ቤተክርስትያን ወገን ናይቶም ግፉዓት እያ እትሕዝ። ቃል ኣምላኽ፣ “ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ” ብምባል ነዚ ኣነጺሩ ይዛረብ (ኢሳይያስ 1፣17)። ምስዚ ዚመሳሰል ሓሳብ ኣብ ያእቆብ 1፣ 27 ድማ ንረክብ ኢና። ስለ ፍትሒ ደው ምባል ጉዳይን ኣመትን እቶም ግፉዓት ምግባር “ፍቕሪ” ዝምንጩ ባህርይ ቤተክርስትያን እዩ።
በቲ ሓደ ወገን ድማ ቤተክርስትያን ንፍትሒ ዜውጽእ፣ ቅንዕና ዚፈቱ መሪሕነት ኽተተባብዕ፣ ነቶም ዜጋታት ድማ እዙዛት ኮይኖም ኪመላለሱ ኽትምዕድ ናይ መምህር ግደ ኣለዋ። እዚ ብምግባራ ቤተክርስትያን ኣብ ፖለቲካ ኢዳ ኣእትያ ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ፣ መንግስትን ቤተክርስትያንን ዝተፈላለየ ባይታ እዩ ዘለወን። ፍልልይ ቤተክርስትያንን መንግስትን (“ሰፐረይሽን ኦፍ ቸርች ኤንድ ስትይት”) መሰረታዊ ምህሮ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን እዩ። እዚ ኸኣ ቤተክርስትያን ኣመሓዳሪት መንግስቲ ኸይትኸውን፣ መንግስቲ ድማ መንፈሳዊ መራሒ ከይከውን ስርዓት ዜትሕዝ እዩ። ስለዚ ድማ እያ ቤተክርስትያን ነጻ ዝኾነ ኣመለኻኽታን ዕዮን ብዛዕባ ተግባራን ሞራላዊ ሓላፍነታን ኪህልዋ ግድን ዝኾነ።
ሓደ ካብቲ ሓያሎ ጨፍለቕቲ ስርዓታት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ንጥቕሚ ረብሓኦም ዚትርጉምዎ ኽፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ሮሜ 3፣1-4 ዝጸሓፎ ክፍሊ እዩ። ከምዚ እዩ ዚብል፣-
"ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።"
ውልቀ-ምልካውያን ከምኡውን ደገፍቶም ነዚ ኽፍሊ ነቲ ህሉው ኩነት (ስታተስ-ኮ) ንመዐቀቢ ከም መመኽነይታ ይጠቕስዎ። ቀደም ዘመን ድማ ካብ ፈርኦናት ግብጺ ክሳዕ ሃጸያት ቻይና፣ ክሳዕ ሃጸያት ቅዱስ ሃጸይነት ሮሜ፣ ኣብ ከባቢና ድማ ክሳዕ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንርእሶም “ቅቡእ ኣምላኽ” “ወዲ ኣምላኽ” “ስዩም እግዚኣብሄር” እናበሉ ምልኮም የስፋሕፍሑ ነይሮም። ኣብ ዘመናዊት ዓለም ካብቶም ነዚ ክፍሊ ብምጥቃም ንቤተክርስትያን ዝበታተንዋን ኣብ ትሕቲ ድሌቶም ዘእተውዋን ውልቀመለኽቲ እቲ ዝኸፍአ ሂትለር እዩ። ዋላኳ ብመሪሕነት ዲትሪክ ቦየንሆፈር እታ ዘይተንበርከኸት ቤተክርስትያን ሞራላዊ መሪሕነታ ዕዙዝ እንተነበረ፣ ሓያሎ ክፋል ቤተክርስትያን ግን ኣብ ፍልስፍና “ፋሽስታውነት” ርዒማ ነበረት። እዚ ነገር እዚ ንቤተክርስትያን ኣብ ታሪኽ፣ ሕማቕ ስእሊ እዩ ሂቡዋ። እቲ ዚገርም ግን ሓያሎ ዘመናውያን ክርስትያናትውን ነዚ እናጠቐሱ ንጨፍላቒ፣ ፍትሕን ሓርነት ደቂ ሰባትን ዚደፍን ስርዓታት ዘለዎም ደገፍ ምግላጾም እዩ። እዚ ብሕልናዊ ስነ-መጎት ኣብ ኣእምሮኻ ከተስተዋድዮ ኣሸጋሪ ነገር እዩ። ብዛዕባዚ ዘሎኒ መረዳእታ እዚ ዚስዕብ እዩ።
ምስጢር ምርዳእ እዚ ኽፍሊ ናይ መልእኽቲ ሮሜ፣ ነቲ ክፍሊ ጽሑፍ ኣብቲ ዓውደ ንባቡ (ኮንቴክስት) ኣእቲኻ ምምልካት እዩ። ሮሜ 3፣1-4 መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዘሎ ክፍሊ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብኣምላኽ ዘይኮነስ ስልጣን የልቦን” ቅድሚ ምባሉ ሓደ ዓብዪ ነገር እዩ ኣብ ምዕራፍ 12 ተዛሪቡ። ብኣተሓሳስባና ልዉጣትን ፍቓድ ኣምላኽ እነስተብህልን ኴንና ክንመላለስ እምበር ብኣመለኻኽታ ልክዕ ከም እዛ ዓለም እዚኣ ከይንኸውን ምስመዓደ ብድሕሪኡ ሓደ ማዕዳ ምዒዱ። እዚ ማዕዳ እዚ ብዛዕባ ርእስኻ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ምህላው፣ ካብ ዕቡይ ኣመለኻኽታ ምርሓቕ፣ በቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ጸጋ ድማ ንኻልኦት ምግልጋልን ምእላይን እዩ። ቀጺሉ ዘሎ ክፍሊ ነዚ “ልዉጥ ኣእምሮ” ትንታኔኣዊ ገለጻ ገይሩ ይዝርዝሮ። እዚ ኣብ ፍቕዲ 9 ክሳዕ መወዳታ ናይታ ምዕራፍ ዘሎ ቀደም “ዓብዪ ምኽሪ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ብፖስተር ተዳልዩ ይዝርጋሕ ነይሩ። እዚ ዓብዪ ምኽሪ እዚ ብሓንቲ ሓረግ ክንጥቕልሎ ንኽእል፣ “ስነ-መጎት ፍቕሪ ይሃሉኻ”። ንእትገብሮ ዘበለ ኹሉ ካብ ፍቕሪ ተበጊስካ ግበሮ እዩ እዚ መልእኽት’ እዚ። ነዚ ድሕረ ባይታ ምስሓዝና ጥራይ እዩ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ክፍሊ ኪርደኣና ዚኽእል። ሽዑ እዩ፣ እቲ “ብኣምላኽ ዘይኮነ ስልጣን የልቦን” ዚብል ነገር ቅኑዕ ስእሉ ዚረኣየና። ብኻልእ ኣበሃህላ፣ ብልዉጥ ኣእምሮ ኽንርኢ ምስእንጅምር፣ ኣምላኽ ንስልጣናት ዝሰርዐ፣ ኣገልገልቲ (ስቲዋርድስ) እዚ “ስነ-መጎት ፍቕሪ” ንኪኾኑ እዩ። “ስልጣናት” “ኣገልገልቲ ኣምላኽ” ዚበሃሉ ምእንቲ ሰናይ ኢሎም ደው ክሳዕ ዝበሉ ጥራይ እዮም። ፍትሒ ኪዕምጽጹ ደው ዝበሉ፣ ንረብሓ ርእሶም፣ ድላዮም ኪገብሩ፣ ንዝደለዩዎ ኪኣስሩ፣ ኪቐትሉ ኪገፍዑን ኬዋርዱን ደው ዝበሉ ስልጣናት ኣምላኽ ዝሰርዖም ወይ ዝሰመሮም ስልጣናት ኣይኮኑን። ከመይሲ እቶም ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ዝኾኑ ገዛእቲ፣ “ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኮኑን”። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ገፋዕቲ፣ ጨቆንቲ ስልጣናት ግን መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለወኛታት”፣ “ገፋዕቲ”፣ እዩ ዚብሎም። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነታት ናይዚኦም ድማ ሳኦል ድሕሪ ምቕባእ ዳዊት፣ ኣከኣብ፣ ንጉስ ባቢሎን፣ ንጉስ ጢሮስ፣ ሄሮድስ እቲ ሓሲኹ ዝሞተ፣ ከምኡውን ሓያሎ ካልኦት ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ዘመንና ድማ ሓያሎ ከምዚኦም ዝበሉ ነገስታት ንረክብ፣ ናዚኦም ዝገደደ ዚገብሮ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከይተረፈ ስለዚለዓሉ እዩ። ነዚኦም ሰበ-ስልጣንሲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክትብል ብምንም መለክዒ እኳ ቅቡል ኣይኮነን፣ ከመይሲ ኣምላኽ “ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም” እዩ ዚብል (1ሳሙኤል 2፣30)። ብዛዕባ ንኸምዚኦም ዝበሉ ነገስታት ዚበጽሖም ነገር ድማ መዝሙር 82 ምንባብ ይከኣል።
ስለዚ ክርስትያን ንኹሉ እቲ ዚግበር ዓመጻን ግፍዕን ኢዱ ዓጺፉ ከምዘይምልከቶ ነገር ኪርእዮ ዘይኮነ ዚግባእ፣ ምስቶም ግፉዓትን ጥቑዓትን ደው ኪብል እዩ ዚግባእ። ንዓይ ኣይበጽሓንን ወይውን ኣየርክበለይን ምባል ዘይክርስትያናዊ እዩ። ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ንግፉዓት ድማ እቲ መከራኦም ተረዲኡካ ዚከኣለካ ምግባር እዩ ክርስትያናዊ ጽወዓና!