ዘማልድ የሱስ እምበር ዘማልድ መልኣኽሲ የሎን

Posted on 2014-10-12 · 2364 · 0 · 0

32 resources uploaded

ሓደ ጊዜ ምስ ሓደ ዓርከይ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ቆጸራ ነበረኒ እሞ ቅድሚ ሰዓት ምእኻሉ ናብቲ ቦታ ኸድኩ። ኣጋጣሚ ኸኣ ሓደ ቀደም መማህርተይ ዝነበረ ሰብ ረኸብኩ ብሓንሳብ ኮፍ ኢላና ኸኣ ከነዕልል ጀመርና። ካብ ደቂቕ ክሳብ ዓቢ ዝበሃል ከኣ ኩሉ ኣርእስትታት ተንከፍናዮ። ኣብ መንጐ ኸኣ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽን መጽሓፍ ቁዱስን ከነዕልል ጀመርና። ክሳብ ዝተወሰነ ደረጃ ኸኣ ተሰማማዕና። ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ምስ በጻሕና ግና ክንሰማማዕ ኣይክኣልናን።

እቲ ዘየሰማማዕና ኣርእስቲ ኸኣ ብዛዕባ ኣማላድነት ወይ ምምላድ እዩ። ዓርከይ ተወሳኺ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ መልኣኽትን ካልኦትን ስሌና ከማልዱ ከም ዝኽእሉ እዩ ዝኣምን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ጭብጥታት ከምጻለይ እኳ እንተ ሓተትክዋ እንትርፎ ናቱ ስነ ሞጎትን ካልኦት ዝበልዎን ካልእ ከምጻለይ ኣይከኣለን። ካብዚ ተበጊሰ ኸኣ እየ እዚ ናይ ብዙሓት ሕቶ ስለ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ከም ዝብል ክንሪኢ ደልየ ዘለኹ።

ብዛዕባ ምምላድ ካብቲ ትርጉሙ ተረኣና ሰናይ ይመስለኒ። ምምላድ ማለት ኣብ መንጎ ክልተ ኣቲኻ ምትዕራቕ ወይ ከኣ ምቅርራብ። ኣብ ክንዲ ካልእ ምጥባቕን ምልማንን። ናይ ካልእ ጉዳይ ሒዝካ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምብጻሕ ማለት እዩ። ካልእ ኸኣ ሓደ ናይ እንግሊዘኛ መዝገበ ቃላት ትርጉም ክህቦ ከሎ ብዛዕባ እቲ ተጨኒቁ ወይ ኣብ መከራ ዘሎ ሰብ ምጥባቕ ወይ ምልእማን ማለት እዩ። እምበኣር ሕጂ ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ንምጻእ።

መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ኣትዩ ከተዓርቕ ዝኽእል ሓደ የሱሱ ክርስቶስ ጥራይ ምኻኑ ይነግረና። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ነዚ ቓል እዚ ከራጉድ ከሎ ከምዚ ይብል “ማለት ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን እቲ ሰብ ክርስቶስ ሓደ በይኑ እዩ። ብግዚኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ኹሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሀበ” 1ጢሜ 2።5-7። ስለዚ ብዛዕባ ምማላድ ክንሓስብ ከሎና እምበኣር ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ከም ሕመረትን ሕብርትን ሓቂ ጌርና ክንወስዳ ይግብኣና። የሱስ ክርስቶስ እቲ መንገድን ሓቅን ህይወትን ዝኸነ ልኡኽ ኣቡኡ ኮይኑ ኸኣ ምድሓን ሰባትን ደገ መንግስተ ሰማይን ዝኸፈተ ንሱ ካብ ኮነ ካልእ ዝኾነ ኣካል ናይ ምምልዳ መስለ ክወስድ ዝኽእል የልቦን።

መጽሓፍ ቁዱስ እውን እዚ መሰልን ስልጣንን እዚ ካብ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ወጻኢ ንኻልእ ኣይህብን እዩ። መልኣኽቲ ኮኑ ካልኦት ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ኣትዮም ዕርቂ ከምጹ ኣይክእሉን እዮም። እንተ ዝኸውን ኔሩ ሞት ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ከንቱ ምኾነ ኔሩ። የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ክንዳና ኮይኑ ከመልድልና ከም ዝኽእል ግና ቃል ኣምላኽ ብንጹር ከይሸፈነ እዩ ዝዛረብ ኣብ እብ 7።25 ከኣ ከምዚ ይብል “ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ ኩሉ ግዜ ምእንትኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝኾነ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” ይብለና። ካልእ ብዛዕብኡ ዝተዋህበ ትንቢታዊ ቃል እውን ኣሎ “…ግናኸ ሓጢኣት ቡዙሓት ጾረ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ” ይብለና ኢሰያስ 53።12።

እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ቡቑዕ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስሌና ዝማልድን ዝጽልን የሱሱ ክርስቶስ ምኻኑ ካብዚ ዝዓቢ ሓቐኛ መረጋገጺ እንታይ ኣሎ። ካብዚ ወጻኢ ኸኣ ናይ ካልኦት ኣማላድነትን ዋሕስን ምድላይናስ ነቲ ዘፍቅረና ወዱ የሱሱ ክርስቶስ ከኣ ዝሃበና ኣምላኽ ምንሻው ዶ ኣይኮነን? እዚ የሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ዝተወልደ መዘና ኣልቦ ዝኾነ ጎይታን ኣምላክን እኮ እዩ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ኣብ መንጎ ሰብን ሰብን ንዝነበረ ቀልካሊ ቐጽሪ ዘፍረሰ እሞ ኸ ደኣ ነዚ ሓቂ እዚ ከም ዘለዎ ዘይምቕባል ምትላል ሰይጣን እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም ክወሃበ ዝኽእል ኣይኮነን።

የሱስ ክርስቶስ ኣማልዲ በይኑ ኽኸውን ዝገብሮ ረቓሒታት ኣሎ እዩ። ቀዳምይ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓቢ ሊቀ ካህናት ስለ ዝኾነ። እዚ ኸኣ ብዕርገቱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ቃል ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ይብለና “ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ ብኹሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ካኻህናት የብልናን እሞ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓቢይ ሊቀ ኻህናት የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዝህልወና ምእማና ነጽንዕ” እብ 6።14-15።

ኣብዚ ጥቅሲ እዚ ብሰማያት ዝሓልፈ ዓቢ ሊቀ ኻህን ምኻኑ መስኪሩ ኣሎ ብተወሳኺ እውን ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ዝተቐመጠ ምኻኑ እውን ቃሉ የነጽረልና ከምዚ እውን ይብለና “ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ ኩሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ…እስከ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ ኣብ የማነይ ተቐመጥ ዝበሎ” እብ 1።3,13። ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ በዚ ኸኣ ንኸማልድ ቡቑዕ ዝገብሮ።

ካልኣይ ከኣ መለኮታውነቱን ኣምላኽነቱን ንኸማልደልና ቡቑዕ ይገብሮ። የሱስ ክርስቶስ ፉጡር ወይ ከኣ ካብ መልኣኽቲ ዝዓቢ ዓቢ ስልጣንን መለኮታውነትን ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ ወዲ ኣምላኽን ኣምላኽን እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኣብ እብ 1።8 “ብዛዕባ ወዱ ግና ኣታ ኣምላኸይ ዝፋንካ ንዘልኣለም ኣለም ይነብር በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ” ዝበለ ካልእ ኸኣ ካብቲ ሓደ ንየሱሱ ክርስቶስ ቡቑዕ ኣምላዲና ዝገብሮ ፍጽምንኡ እዩ። እቲ ሓደ በይኑ ብፍጽምና ከማልደልና ዝኽእል እቲ ፍጹም ዝኾነ የሱስ ጥራይ እዩ ሕጂ እውን ናብ እብራውያን ንኺድ “ንሱ ብዘመን ስግኡ ኸሎ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ካብ ሞት ኼድሕኖ ዚከኣሎ ጸሎትን ምህለላን ምስ ኣቕረበ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍርሁ ምስ ተሰምዔን። ወዲ እኳ ኽነሱ በቲ እተሳቐዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። ከም ማዕርግ መልከጼዴቕ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰመዩ ፉጹም ምስ ኮነ ኸኣ ነቶም ዝእዘዝዎ ዘበሉ ኹላቶም ንናይ ዘልኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም” እብ 5።6-10።

እዚ ኩሉ ብዛዕባ የሱሱ ዝረኣናዮ ብቑዕ መረጋግጺ ዶ ኣይኮነን? የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ፉጹምን ናይ መወዳእታን ከማልድ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ። እከለ ከማልደለይን ኣማሊዱ ኸኣ ከድሕነንን እዩ ዝብል ዘረባ ኩሉ ካብ ጽውጽዋይ ሓሊፉ ምንም ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ነዚ ሓቂ ፈሊጥና በዚ ከኣ ክንመላለስ ይግብኣና። መልኣኽቲ ይኹኑ ካልኦት ልዕሊ የሱስ ክርስቶስ ኮይኖም ኣማለድቲ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኩሎም ብስም መልኣኽትን ካልኦት ቁዱሳንን ዝግበሩ ናይ ምምላድ ስርዓታት ከንቱ ናይ ከንቱነት እዮም። ቃል ኣምላኽ ከኣ ፈጺሙ ኣይድግፎን እዩ። እቲ መንገዲ እንኮ እቲ ሓቂ ኸኣ ፉሉጥ እዩ።

እዚ ሎሚ ብሽም መልኣኽ ክስቶ ዝግበር ጸሎት ብመሰረት መጽሓፍ ቁዱስ ተቐባልነት የብሉን። ጎይታ የሱሱ ክርስቶስ ብስሙ ኣቢልና እንተ ተማህሊልናን ለሚናን ጥርይ ከም ዝሰምዓና እዩ እቲ ቑዱስ ጹሑፍ ዝነግረና። ኣብ ሓንቲ ጽሕፍቲ ቁዱስ መጽሓፍ እኳ ብስም ካልእ ተማህለሉ ወይ ከኣ እገለ ክማልደልኩም እዩ ፈጺምና ኣይተባሃልናን።

ካልእ ኣብ ሕብረትሰብና ብዙሕ ዝዝውተር ነገር ብዛዕባ ናይ ምምላድ ነገር መልኣኽቲን ቁዱሳን ሰባት ዝምቱን ከማልድልካ ከም ዝኽእሉ ምእማንን ንሳቶም እውን ብዛዕባ ነገርካን ጸገምካን ንኣምላኽ ክነግሩልካ ምምህላልን እንተ ኣድለየ እውን ምጽዋትን ጸበልን ምግባርን እዩ። እዚ ብቐዳምነት ባህላዊ እዩ መሰረቱ ኸኣ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ኣይኮነን። ምድጋም አይኮነኒ መታን ካብ ቃል ኣምላኽ ሓደ ብሓደ ክንርእዮ ጸኒሕና ኢና።’

ሰይጣን ንርእሱ መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ ህዝቢ ክርስትያን ኣይንዓሹ ደኣ ነቲ ሓቂ ፈሊጥና በቲ ሓቂ ንኺድ። ሓይሊ ምምላድ ንዝመቱን ንመልኣኽትን ኣይተዋህበን ብሓጺሩ ስለ ደቂ ሰባት ካብ የሱስ ክርስቶስ ወጻኢ ካልእ ብፉጹም የለን ስልጣን ከኣ ኣይተዋህበን። ሰባት ዝተጣበብዎ ጽውጽዋያትን ሰይጣን ዘምጾ ጥውይዋያትን ነቲ ሓቐኛ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ፈጺሙ ክልውጦ ኣይክእልን እዩ። እቲ ምቕባልን ዘይምቕባልን ግና ናትና ግደ ይኸውን ማለት እዩ። ሎም ነየናይ ንኣምን። እቲ ስሌና ኣብ መስቀል ዝሞተ የሱሱ እንተ ዘይኮዩኑ ደጊመ ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት እብል ኣለኹ ካልእ ኣማልኢ የለን።

ኩሉ ምህሮ መድሓኒና ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ በጀካይ ካልእ የሎን ብዘይብኣይ ከቶ ናብ ኣቦ ዝቐርብ የልቦን ዝብል እዩ።

ብዛዕባ ኣማላድነት ናይ መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ እንዲና ክንዛረብ ጸኒሕና። እስከ ሕጂ ኸኣ ናብ ሰባት ንመለስ። ሰባትከ ብዛዕባ ካልኦት ክጽልዩ ይኽእሉ ድዮም? እወ ይኽእሉ። ግና ኣየነቶ ሰባት እዮም እቶም ብዛዕባ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቦም ከማልዱ ዝኽእሉ። እቲ መልሲ ዝተሓላለኸ ኣይኮነን ቀሊል እዩ። እሱ ኸኣ እቶም ብህይወት ዘለዉ ብቐጥታ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ዝልምኑ።

ከምዚ ዝኣመስለ ጸሎትን ልማኖን ኣብ መጽሓፍ ቁድስ ብብዝሒ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዘፍጥረት 18 እንተ ሪኢና ኣብርሃም ብዛዕባ ሶዶምን ጎመራን ምስ ኣምላኽ ክማጎት ንርኢ። ከምኡ ኸኣ ኣብ ዘሎ ታሪኽ እስራኤል ሙሴ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ደው ኢሉ ናብ ኣምላኽ ክልምን እኳ ደኣ ክሳብ ሽሙ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ክሓከኽ ሓቲቱ። ኤርምያስ እቲ ነቢይ እውን ስለ ደቂ ህዝቡ ዝርንዛሕ ይነብዕ ኒሩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣብ 1ጢሞ 2።1-4 “እምባኣርሲ ስለ ኹሉ ሰብ…ልማኖን ጸሎትን ምህለላን ምስጋናን ኪግበር ቅድሚ ኹሉ ይምዕድ” ይብል። ኣምላኽ ከኣ ኣብ ሰባት ዘሎና ፍቕር ንምርግጋጽን እምብዛ ኸኣ ክባርኸና ስለ ዝደለየን እዩ እዚ ዝዓይነቱ መስለ ሂቡና። ደጊም ከስመረላ እዚ መስለ ነቶም ብህይወት ዘለዉን ንኣምላኽ በይኑ ኣሚኖምን ብሽም መድሓኒናን ናብ ዝፋን ኣምላኽ ንዝቐርቡ ሰባት እምብር ነትም ካብዛ ዓልም ብሞት ዝተፈልዩ ኣይተዋህበን። ስለዚ ዝሞተ ሰብ ሽሕ ግዚ ቁዱስን ጻድቕን ይኹን ንዓኻ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይቀርብን እዩ። ቃል ኣምላኽ እውን ነዚ ከምዝ ዘኣመሰለ ምውታት የማልዱ እዩ ዝብል ኣመር ብፉጹም ኣይቅበሎን እዩ።
እዚ ምውታት ክማሉዱልካ ኢልካ ዝግበር ዝተፈላለይ ዓይነት ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቁቡል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ኣጸያፊ እውን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልቡ ንመድሓኒ የሱሱ ክርስቶስ እንተ ኸፊት ብናጻን ብዘይደረትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ምቕብራ መስል ኣለዎ። ብኣቃራጭ መንገድን ብስም ካልእን ምኻድ ኣይድልዮን ኣዩ። ነዚ ኸኣ እዩ ጎይታና መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ካባይ ወጻኢ ብኻላእ መንገዲ ዝመጽእ ኩሉ ሰራቕን መጠፋፍእን እዩ ዝበለ። ወንጌል ዮውሃንስ 10 ምዕራፍ ነብቦ።
ጸሓፊ ናይ ኣብራውያን ክዛርብ ከሎ “ስለዚ ኣሕዋተይ በቲ መጋረጃ ማለት ብስግኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱሱ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዝህልወናስ። ልብና ኻብ ክፍእ ሕሊና ተነጺጉ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሓጺቡ ምሉእ ብተርዳኣናያ እምነት ብቑኑዕ ልቢ ንቕረብ” ይብለና ኣብ እብ 10።19-20 እሞ ደኣ እዚ ኹሉ ምስክር ሓቂ ካብ ዝህልወና ካልእ ነቲ ናትና ስነ ሞጎት ይድግፍ እዩ ዝበልናዮ ኘው ኢልና ነዚ ሓቂ ቃል ንተኣዘዞ።
ንምጥቕላል እምበኣር እቲ ሓደ በይኑ ስለ ደቂ ሰባት ፉጹም ምምላድ ከማልድ ዝኽእል ጎይታን መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ነዚ ኸኣ እዩ ስሌና ሞይቱን ተንሲኡን ኣብ የማን ዝፋን ኣብኡን ተቐሚጡ ዘሎ። እዚ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዘለዎ ስልጣን ንኻልኦት እውን ከም ዘልውም ጌርካ ወሲድካ ንሳቶም ከኣ ተጣበቕትን ኣማለድትን ከም ዝኾኑ ምእማን ግና ብመስረት መጽሓፍ ቁዱስ ፋይዳ የብሉን ትርጉም ውን ኣይወሃቦን። እቲ ፍርዲ እውን ዓቢ እዪ።
ስለ እገለን ስለ ቑዱስ ክስቶን እናተባህለ ዝግበር ናይ ምምላድ ስራሕ ኣምላኽ ኣይቅበሎን እዩ። ካብ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ወጻኢ ንዝግበር ጸሎትን ምህለላን እውን ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ብማእለያ ዘይብሉ መደገፍታታ ቃል ኣምላኽ ኣነጺሩልና እዩ። ስልዝ ነያነይ ንመርጽ ነቲ ኣምልኻዊ ሓቂ ዶ ወይ ነቲ ሰባትን ኣጋንትትን ዘምጽእዋ ጽውጽዋያት?

0 comments
Other Article